ዓዲ እንግሊዝ፡ ንሞት ሓደ ኤርትራዊ 'ኢድ ዝሓወሱ' ክልተ ኤርትራውያን እንታይ ተፈሪዶም?
ኣብ በርሚንግሃም ሃገረ እንግሊዝ፡ "ምኽንያት ሞት ሓደ ካልእ ኤርትራዊ እዮም" ዝተባህሉ ክልተ ኤርትራውያን ብሰሉስ 5 ግንቦት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። እቶም ተኸሰስቲ ስምኦን ገብረንጉስ ዝተባህለ ወዲ 44 ዓመት፡ ቢቢ ጊላዝጊን ወዲ 31 ዓመት መንእሰይን ኰይኖም፡ ኣብ ኣማውታ ናይቲ ወዲ 33 ዓመት ዝዀነ ብርሃነ...
Latest releases
ጀርመን፡ ዝኽሪ ክልተ ግዳያት ዘስካሕክሕ ቅትለት ዝዀኑ ኤርትራውያን
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጀርመን ዝተፈጸመ ክልተ ቅትለታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንብዙሓት ዘሰንበደ ዘሕዝን ፍጻመ ኰይኑ ይርከብ። እታ ሓንቲ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተቐትለት ኣደ ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ወዲ 14 ኮተቴ ህይወቱ ሓሊፉ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ክልተ ዝተፈላለየ ናይ ዝኽሪ ስነስርዓት እቶም ግዳያት ተኻይዶም ነይሮም።ምስጢራት ናይቲ ገበናት ዛጊት'ኳ ብንጹር እንተዘይተረጋገጸ፡ መርመርቲ ብዛዕባ'ቲ ቅትለታት ዝበጽሕዎ ደረጃ ክገልጹ ጀሚሮም ከም ዘለዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይሕብሩ ኣለዉ።
'ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር' - ሓጺር ገምጋም መጽሓፍ
ኣብ ጥሪ 2026 ናብ ኣንበብቲ ዝተዘርግሐት "ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር" እትብል መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን፡ ኣብ ኤርትራ ንዝመጽእ ለውጢ ኣብ ደሞክራሲያዊ ስግግር ከም መወከሲት ሰነድ ክትውሰድ እትኽእል ስራሕ'ያ። ሰመረ ሰሎሞን ኣብ 2024'ውን "ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነትን ዝተጠልመ መብጽዓን" እትብል መጽሓፍ (ብእንግሊዘኛን ትግርኛን) ናብ ኣንበብቲ ዘርጊሑ ምስ ምንባሩ፡ እዚኣ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ ኣርእስቲ ኣተኵሮን ግን ከኣ ካብታ ዝቐደመት ብዛዕባን ቀንዲ ቴማታትን ዝተሳገረት መጽሓፍ'ያ።
ዑደት መራሕቲ ጅቡትን ሶማልያን ናብ ኢትዮጵያ እንታይ ዝዓለመ እዩ?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንፕረዚደንት ጁቡቲ ዑመር ገለ ከምኡ'ውን ንፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ኣብ ክልል ሶማል ከተማ ጅግጅጋ ከም ዝተቐበሎም መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጸን። እዚ ርክብ ናይ ሰለስተኦም መራሕቲ፡ "ንዞባዊ ምትሕብባር፡ ሓባራዊ ስኒትን ተወፋይነትን ዘጕልሕ ሓያል ምልክት ምትሕግጋዝ፡" ምዃኑ...
ጀርመን፡ ሞይቱ ዝተረኽበ ወዲ 14 ዓመት 'ኤርትራዊ'
ኣብ ጀርመን ሓደ ኤርትራዊ ምዃኑ ዝተገልጸ መንእሰይ ሞይቱ ከም ዝተረኽበ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን። ሬሳ ናይቲ ወዲ 14 ዓመት ኣብ ከባቢ ከተማ ዶርማኸን ብሓለፍቲ መንገዲ ከም ዝተረኽበ ዳብሊው-ዲ-ኣር ዝተባህለ ፍሉጥ ማዕከን ዜና የመልክት። "ፖሊስ ከም ዝሓበሮ እቲ ወዲ 14 ዓመት ካብ ኤርትራ ዝመጸ እዩ:" ይብል እቲ ጸብጻብ። ስድራቤቱ ብዛዕባ ሞቱ ፈሊጦም ከምዘለዉ'ውን ሓያለ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይገልጻ ኣለዋ። ኣኽበርቲ ሕጊ ከምዝብልዎ፡ እቲ 'ዮሴፍ' ዝተባህለ ኮተቴ፡...


























