ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ቢቢሲ ዘጻረዮም ኣሳእል እንታይ የመልክቱ?
ረቡዕ 7 ጥቅምቲ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ከተማ ዓዲ-ግራት ከም ዝተራእዩ ነበርቲ ንቢቢሲን ካልኦት ማዕከናት ዜናን ዝሓበሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ዝተፈላለዩ ኣሳእልን ቪድዮታትን እውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ተዘርጊሖም እዮም። ነበርቲ እታ ከተማ ከም ዝገለጽዎ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ብመኻይን ጽዕነትን ብእግሮምን ብከተማ ዓዲ-ግራት...
Latest releases
ኤርትራዊ ጀነራል ወልደስላሰ - እቲ ጸሊም ጀነራል
ጀነራል ወልደስላሰ ኢልና'ዶ ክንጽውዖ ወይስ ጀነራል ዶመኒኮ ሞንደሊ? ነፍስሄር ፕሮፌሰር ማውሮ ቫለሪ ክኢላ ስነማሕበረሰብ፡ ስነኣእምሮኣዊ ፍወሳን ጸሓፍን እዩ ነይሩ። ንኣበርክቶ ጸለምቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኢጣልያ ተገዲሱ ዘጽንዐ ሰብ ብምንባሩ፡ ብዛዕባ ሓደ ኤርትራዊ ዝመበቈሉ ሰብ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢጣልያ ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ኣበርክቶ ከም ዝነበሮ፡ ብመዓርግ ድማ ለተና ጀነራል ዝበጽሐ፡ 277 ዝገጹ መጽሓፍ ብቛንቋ ጣልያን ኣበርኪቱ'ዩ ሓሊፉ። እቲ መጽሓፍ ኣርእስቱ ''እቲ ጸሊም ጀነራል' - ዶመኒኮ ሞንደሊ - ዕጡቕ /...
'ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ መራሒ ኤርትራ መልእኽቲ ጽሒፉ'
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ኤርትራዊ መዘናኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ደብዳበ ከምዝሰደደ ተገሊጹ። እቲ ብ30 ሓምለ 2025 ዝተላእከ መልእኽቲ ትራምፕ፡ ዋሽንግተን ምስ ኣስመራ "ምክብባር ዘለዎ ሃናጺ ዝምድና ዳግማይ ክምስርታ ምምሕዳሩ ቅሩብ ምዃኑ" ገሊጹ ይብል ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል። "እቲ ኣብ ቅንዕናን ምክብባርን ዝተመስረተ [ዝምድና] ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ዘሎ ናይ ሰላምን ብልጽግናን ዕድላት ዘመሓይሽ'ዩ" ከምዝበለ'ውን እቲ ኤርትራዊ ብዓልስልጣን ጠቒሱ።

ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ንግድን ፖለቲካን ዓለም ብኸመይ'ዩ ወሳኒ ኰይኑ?
ብባሕሪ ኣብ ዝካየዱ ንጥፈታት፡ ኣብ መላእ ዓለም ገለ ኣገደስቲ መስመራት ኣለዉ፣ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ሓደ እዩ። እዚ ንኣህጉራት ኣፍሪቃ፡ ኤስያን ኤውሮጳን ዘራኽብ ማያዊ መስመር፡ ንንግዲ ዓለም ኣገዳሲ ምዃኑ ይፍለጥ። ቀይሕ ባሕሪ፡ ንህንዳዊ ውቅያኖስን ማእከላይ ባሕርን ዘራኽብ ኰይኑ፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዓቢይ ጠለብ ዘለዎ ነዳዲ፡ ካብ ማእከላይ ምብራቕን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ንምጕዕዓዝ ዝሓጸረ መስመር እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብዘይካ'ተን ምስቲ ባሕሪ ዝዳወባ ኤርትራ፡ ጅቡቲ፡...