ኤርትራ፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም
ሰብመዚ ኤርትራ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝጸንሑ ሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ከምዝፈትሑ ምንጭታት ሓቢሮም። እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ዝተፈትሑ ልዕሊ 40 ዜጋታት ኣብቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከብ ወተሃደራዊ ቤትማእሰርቲ ማይ-ስርዋ ተታሒዞም ዝጸንሑ እዮም። ኣብዚ...
Latest releases
ኤርትራን ህወሓትን "ኲናት ንምእዋጅ" ብሓባር ይሰርሑ ኣለዉ ንዝብል ክሲ ነጺጎም
ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይን "ኲናት ንምእዋጅ" ብሓባር ይሰርሑ ኣለዉ ዝብል ካብ ወገን ኢትዮጵያ ዝቐረበ ክሲ ነጺጎም። ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ኣንጻር ኢትዮጵያ "ኣብ ውግእ ተዋፊሮም" ኣለዉ ክብል ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ምኽሳሱ ይዝከር። ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጊዴዎን ጢሞቴዎስ ብ2 ጥቕምቲ 2025 ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ኣኽራሪ ውድብ ህወሓትን ዘሎ ምሕዝነት...
ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ፡ ብዛዕባ ህወሓትን ኤርትራን እንታይ ኢሉ?
ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ፡ነቲ ቅድሚ ሽድሽተ ወርሒ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግርያ ኰይኑ ዝተሾመ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ዝተውሃቦ ስልጣን ብዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ይጥቀመሉ ከምዘሎን ከሲሱ። ምክትል ፕረዘደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበርን፡ ተደራዳሪ ውዕል ፕሪቶርያን ዝዀነን ጀነራል ፃድቃን፡ ከምኡ ዝበለ፡ ምስ ኤንቢኤስ ዝተብሃለ ናይ ውልቀ ቴሌቪዥን ብቋንቋ ኣምሓርኛ ኣብ ዘካየዶቃለ-መሓትት እዩ። ንሱ፡ ብፕረዚደንትንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ካልኣይ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ብህወሓት ሙሉእ ንሙሉእ ዝተዓብለል- ሓቋፋይ ከምዘይኰነ፡...
ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ እተሕድሮ ዘላ 'ስግኣት' ደው ክብል ጸዊዖም
ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝመደበሩ 'ኤርትርያ ፎከስ' ዝተባህለ ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ኢትዮጵያ ብመሬት ኤርትራ ኣቢላ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ "መሰል ከም ዘለዎ ብእተካይዶ ዘላ ተዋጋኢ ትረኻ፡" ዓቢይ ስክፍታ ከም ዝሓደሮ ገሊጹ። "ዝዀነ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ፡ ብምፍርራሕ፡ ብኣስገዳድ ይዅን ብወራር፡ ንኣህጉራዊ ሕጊ፡ ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን መሰረታዊ መትከላት ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ካብ መግዛእታዊ ምሕደራ ዝተወርሰ ዶባት ምኽባር ደጊሙ ዘረጋግጽ ኣዋጅ ካይሮ 1964 ቅሉዕ ምጥሓስ ክኸውን እዩ፡" ኢሉ።
ኤርትራን ህወሓትን ብሓባር 'ኲናት ንምእዋጅ' ይሰርሑ ኣለዉ - ኢትዮጵያ
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይን ኣንጻር ኢትዮጵያ "ኣብ ውግእ ተዋፊሮም" ክብል ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ከሲሱ። እቲ ሚኒስትሪ ዘቕረቦ ክሲ፡ ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ቀረባ እዋን ንርእሰ ከተማ ሰሜን ወሎ ወልድያ ንምቁጽጻር ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ኢድ ከምዝነበሮም ይጠቅስ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጊዴዎን ጢሞቴዎስ ብ2 ጥቅምቲ 2025 ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ኣኽራሪ ውድብ ህወሓትን ዘሎ ምሕዝነት እናነጸረ መጺኡ ኣሎ" ይብል። ...


























