ቀይሕ ባሕሪ፡ ሑቲ ንማያት ኤርትራ ቀረባ ዝዀና ሞካን ዙቑርን ተቘጻጺሩ
ሑቲ የመን፡ ንማያዊ ዶባት ኤርትራ ቀረባ ዝዀና ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ስትራተጅያዊ ወደባዊት ከተማ ሞካን ደሴት ዙቑርን፡ ካብቶም ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስቲ መንዚዖም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከም ዘእተዉዋ ወተሃደራውያን ምንጭታትን መሰኻኽር ዓይንን ሓቢሮም። እዚ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ንኸተማ ሞካ...
Latest releases
በዳሂ ጕዕዞ-ህይወት ኤርትራዊ ፕሮፈሰር ዓብዱልቃድር ሳልሕ መሓመድ
ምንጪ ስእሊ,DM 10 ጉንቦት 2026, 09:16 EAT ንባብ: 5 ደቓይቕ ብ1992፡ ኤርትራዊ ስነ-ማሕበረሰበኛ ፕሮፈሰር ዓብዱልቃድር ሳልሕ መሓመድ፡ ኤርትራ ናጻ ኰይና ኢሉ ካብ ዓዲ ስደት ኣብ ሃገሩ ንኽምህር ጠቕሊሉ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ። ኵነታት ሓዲስ ህይወቱ ኣብ ኤርትራ ብጽቡቕ'ኳ እንተ ጀመሮ፡ ደሓር ግን ናብራ ኣይግድን ኰኖ። ብድሕሪ ብዙሕ መከራ ከኣ ዳግማይ ክስደድ ተገደደ። ...
ዓዲ እንግሊዝ፡ ንሞት ሓደ ኤርትራዊ 'ኢድ ዝሓወሱ' ክልተ ኤርትራውያን እንታይ ተፈሪዶም?
ኣብ በርሚንግሃም ሃገረ እንግሊዝ፡ "ምኽንያት ሞት ሓደ ካልእ ኤርትራዊ እዮም" ዝተባህሉ ክልተ ኤርትራውያን ብሰሉስ 5 ግንቦት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። እቶም ተኸሰስቲ ስምኦን ገብረንጉስ ዝተባህለ ወዲ 44 ዓመት፡ ቢቢ ጊላዝጊን ወዲ 31 ዓመት መንእሰይን ኰይኖም፡ ኣብ ኣማውታ ናይቲ ወዲ 33 ዓመት ዝዀነ ብርሃነ ጸጋይ ንዝተባህለ ኤርትራ ተሳትፎ ነይርዎም፡ ብዝብል እዮም ተኸሲሶም።
ሩስያ ዝደገፈቶን ቻይና ዓይና ዝሓሰየትሉን እገዳ ኣመሪካ ዓሎቚ'ዩ ነይሩ - ኤርትራ
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኣ ዘንበረቶ እገዳታት ከተልዕሎ ትዳሎ ከምዘላ ዝገልጽ ጸብጻባት ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ኤርትራ ገሊጻ። ምኒስትሪ ዜና እታ ሃገር ረቡዕ 6 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ እገዳታት ክለዓል'ዩ ዝብል ጸብጻባት ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ እቲ ስጕምቲ ነቲ ግጉይ ክብል ዝገለጾ ፖሊሲታት ዋሽንግተን "ብዘላቕነት ብምእራም፡ ፍትሒ፡ ሕጋውነትን ርትዒን ዘረጋግጽ ክኸውን ተስፋ ንገብር" ኢሉ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣጽኒዓቶ ዘላ እገዳታት እንታይ እዩ?
ኣብዚ ቅንያት፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳታት ከተልዕልን ዝምድናኣ ናብ ንቡር ክትመልስን ወሲና ትንቀሳቐስ ከምዘላ ክዝረብ ተሰሚዑ'ሎ። እዚ ውሳነ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተፈጥረ ቅልውላው ዝተደፍአ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ንኤርትራ ብዘለዋ ስትራተጅያዊ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ "ከም ስትራተጅያዊት መሓዛ" ስለዝርኣየታ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። እዚ...























