ኡጋንዳ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክትዝቲ ምውሳናን ዝተሓላለኸ ኵነታት ስደተኛታትን
ኣብ ኡጋንዳ ምኒስተር ድልውነት ሓደጋን ስደተኛታትን ሳም ኤንጎላ፡ ቍጽሪ ዕቝባ ዝሓቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምንታይ ይውስኽ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክዝቲ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ስጕምቲ እዚ፡ ኡጋንዳ ንምሉእ ዓመት ኣቋሪጻቶ ዝጸንሐት ምቕባል ስደተኛታት ዳግማይ ድሕሪ ምጅማራ፡ እቲ ቍጽሪ...
Latest releases
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ትግራይን ኤርትራን እንታይ ኣልዒሉ?
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ሎሚ 7 ሓምለ 2026 ኣብ ዓመታዊ መዕጸዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝቐረብሉ ሕቶታት መብርሂ ዝሃበ ኰይኑ፡ "ህወሓት ቀልቢ እንተገዚኡ . . . ንምዝርራብ ጻዕሪ ከድሊ'ዩ፡" ኢሉ። እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ብቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዝተነፍገ ፖለቲካዊ ሰልፊ ህወሓት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ ምስ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ምስሕሓብ ኣትዩ ኣብ ዘለወሉ ግዜ'ዩ ነዚ ርእይቶ ሂቡ። ...
ሕቡራት ሃገራት፡ መዝነት ፍሉይ ተኸታታሊ ኵነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ክሕደስ ተወሲኑ
ሕቡራት ሃገራት፡ መዝነት ፍሉይ ተኸታታሊ ኵነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ክሕደስ ወሲኑ። ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ መጋባእያ፡ ነቲ እማመ ብሪጣንያን ኢትዮጵያን ዝርከብአን 23 ሃገራት ክድግፍኦ እንከለዋ፡ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝርከብአን17 ሃገራት ድምጺ ካብ ምሃብ ተዓቂበን፡ ግብጺን ቻይናን ዝርከበን 6 ድማ ተቓዊመን። መንግስቲ ኤርትራ እቲ መዝነት ከይቅጽል ኣብ ኣስመራን ጀነቫን ሓያል ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ'ኳ ከካይድ እንተጸንሐ ኣይሰመረሉን። ...
ኣብ ኮሎራዶ፡ ኣብ ቅድመ መረጻ ዝተዓወተት ሜላት ኪሮስ መን'ያ?
ወትሩ ንግሆ፡ እንዳ ሻሂ ክኸፍት ከለኹ፡ ጸሓይ ብራቕ ኮሎራዶ'የ ዝርኢ። ጐረባብተይ ሓቦን ተስፋን ሰኒቘም ውዕሎኦም ከመይ ከም ዝጅምሩ ይርእዮም።ሕጂ ግን፡ እታ እትበርቕ ጸሓይ'ውን ምርኣይ ኣጸጋሚ ኰይኑ፤ ናብራ ኣመና ከቢሩ፡ እቲ ቍጠባ ኣብ ሓያል ቅልውላው ወዲቝ ኣሎ . . .ጓል 29 ዓመት ትውልደ-ኢትዮጵያዊት ኣመሪካዊት ፖለቲከኛ ሜላት ኣስፋወሰን ኪሮስ፡ ቅድሚ 11 ኣዋርሕ፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ንምዃን ጐስጓስ ክትጅምር እንከላ ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ፡ ካብ ዝበለቶ'ዩ። ድምጺ መንእሰያት ይስማዕ የሎን ኢላ እትኣምን ሜላት፡ ኣብታ ግዝኣት ዘሎ ቤት ምኽሪ...
ኤርትራ፡ ንባጤራ ናቕፋ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ
ባንክ ኤርትራ፡ ኣብ ኢድ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ብዘይ ዓቐን ተታሒዙ ኣሎ ንዝበሎ ባጤራ ናቕፋ ብዝምልከት፡ ሰሉስ 30 ሰነ 2026 ጽኑዕ ሕጋዊ መተሓሳሰቢ ኣውጺኡ። እቲ ባንክ፡ ዝዀነ ይዅን ካብ ባንክ ወጻኢ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝርከብ ገንዘብ፡ ክሳዕ መወዳእታ ሓምለ ናብ ሕሳብ ባንክ ክኣቱ ግዜ ሂቡ ኣሎ። ባንክ ኤርትራ ኣብ መግለጺኡ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ይዅን ትካል፡ ሃገራዊ ባጤራ ናቕፋ ናይ ምጥቃም መሰል ጥራይ ከም ዘለዎ፣ ምስዚ መሰል እዚ ድማ ግቡኣት ምፍጻም ግዴታ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ። ...






















