ስነጥበበኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዛዕባ በሃር በረኸት መንግስትኣብ እንታይ ኢሎም?
በሃር ሃርሃሪ በረኸት መንግስትኣብ ኣብዚ ከየባተኸ ንልዕሊ 65 ዓመታት ኣብ ስነጥበብ ዝተጓዕዞ፡ ልዕሊ 300 ደርፍታት ኣፍርዩ። ሙዚቃዊ ስርሓቱ ዝተፈላለዩ ህርመታት፡ በበይኖም ቅኒታት፡ ዓሚቝን ሰፊሕን ትሕዝቶ ግጥምታት ወዘተ ዝሓዘ እዩ። ስለዝዀነ፡ ኣብ ሰለስተ ወለዶታት ኣሰር ዝገደፈን ኲኖ ኤርትራ ዝሓልፍ ሰማዕቲ ዝረኸበን እዩ። ዜና ዕረፍቱ ምስ ተሰምዐ፡ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውን፡ ሱዳናውያን. . . ብዝተፈላለየ መንገዲ 'ብሰላም ዕረፍ' ክብሉን ኣድናቖቶም...
Latest releases
ኤርትራ፡ ሓደጋ መኪና ዘስዐቦ ሓያሎ ሞትን መጕዳእትን
ኣብ ዞባ ጋሽባርካ መስመር ባረንቱ-ኣንቶረ ብዓርቢ 24 ጥቅምቲ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምግምጣል ዓባይ መኪና ጽዕነት፡ 8 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 13 ከምዝተጐድኡን ኣብ ንብረት ድማ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደን ጸብጻባት ይሕብሩ። እታ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ካብ ባረንቱ ተበጊሳ ናብ ኣንቶረ ትጓዓዝ ዝነበረት ዓባይ መኪና፡ ነዊሕ ከይከደት፡ ካብ ባረንቱ ኣስታት 12...
መንግስቲ ኬንያ ምዝገባ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ደው ከየብሎ ተኣዚዙ
ኬንያ ነቲ ካብ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን ዝቐረበ ሕቶታት ዕቝባ ጉዳይ ብጉዳይ ክትምርምሮ ምዃና ብምሕባር፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ልዕሊ ካብዘን ሃገራት ዝመጹ ኣመልከትቲ ዝተነብረ እገዳታት ኣነጺራ። ብመሰረት ዘ ኢስት ኣፍሪቃ ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ኬንያ ካብ ሓምለ ጀሚራ'ያ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመጽኡ ሓተትቲ ዕቝባ ምቕባል ኣቛሪጻቶ። ነዚ ስዒቡ ኣብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ጥርዓን ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኮሚሽነር ጕዳይ ስደተኛታት ኬንያ ነቲ ንዝቐረበ ክሲ ምላሽ ክህብ ከሎ ናይ ሓቂ ሓተትቲ ዕቝባ ምምዝጋብ ክቕጽል...
ኤርትራ፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት ተኣሲሮም ዝጸንሑ 6 ስሪላንካውያን ተፈቲሖም
ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሽዱሽተ ባሕረኛታት ስሪላንካ ከምዝተፈትሑ ተገሊጹ። ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ምኒስትሪ ስርሓት ወጻእን ቱሪዝምን ከምኡ ከኣ ኤምባሲ ስሪላንካ ኣብ ግብጺ ምስ ሰብ መዚ ኤርትራ ድሕሪ ዝገበርዎ ዘተን ምርድዳእን እቶም ሽዱሽተ ባሕረኛታት ስሪላንካ ከምዝተፈትሑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እታ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ ሃገር ኣብ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ቤትጽሕፈት ስለ ዘይብላ፡ ብመንገዲ እቶም ኣብ ግብጽን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈታታ ኣቢላ'ያ ነቶም ባሕረኛታት ንምፍታሕ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ጸኒሓ።
ቤላሩስ ከም መሰጋገሪ፡ ኤርትራዊ ስደተኛ እንታይ ይብል?
ሓለዋ ዶብ ቤላሩስ ሓደ ሬሳ ዝተሰከሙ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ምስ ላቲቭያ ዘዳውብ ዞባ ብራስላቭ ከም ዝረኸቡ ማዕከን ዜና ኤስ ቢ ኣቓሊሓ። እቶም ብሰሉስ 21 ጥቅምቲ ዝተረኸቡ ብተርጐምቲ ተሓጊዞም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገለጹ ስደተኛታት፡ ኣብ ላቲቭያ'ኳ ኣትዮም እንተ ነበሩ፡ ኣብ ላቲቭያ ወተሃደራዊ ክዳን ብዝገበሩ ሰባት ተሃሪሞም፡ ሞባይላቶም ተሓዲጐም፡ ብብረት እናኣፈራርሑ ኣብ መኪና ሰቒሎም ኣብ ዶብ ቤላሩስ ከም ዝደርበዩዎም ሓቢሮም። እቲ ኣ መንገዲ ዝሞተ...
























