ኤርትራ ንመግለጺ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያን ጌታቸው ረዳን ዝሃበቶ ምላሽ
ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሃቦ "ትያትራውን ፈጠራውን" ክስታት ሓቅነት ከም ዘይብሉ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ገሊጹ። ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያን ኣገልግሎታት ጸጥታን ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ኣልጀዚራ ተላፊኑ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ህወሓት ብድፍኢት ኤርትራ "ኣብዚ ቀረባ መዓልታት" ኣብ ልዕሊ...
Latest releases
ኤርትራ ድርብ ዓወት ብምጉንጻፍ ናብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ሓሊፋ
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ምስ ኢስዋቲኒ ኣብ ዘካየደቶ ካልኣይ እግሪ ግጥም 2 ብ 1 ተዓዊታ። ኤርትራ ብኣጥቃዓይ ዓሊ ሱሌማን ብዘመዝገበትን ሸቶታት'ያ ነዚ ድርብ ዓወት ክትሓፍስ በቒዓ ዘላ። እቲ ምስ ግብጻዊት ክለብ ኤለክትሪክ ዝጻወት ዓሊ፡ ሎሚ'ውን ኣብ መበል 50 ከምኡ'ውን ኣብ 57 ደቓይቕ ወሰንቲ ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ሎ። ምዱብ ግዜ ተወዲኡ ተወሳኺ ደቓይቕ ምስተዋህበ ኢስዋቲኒ ብዝተረፎም ናይ መወዳእታ ጸዓት ሓንቲ ሸቶ ከመዝግቡ'ኳ እንተኽኣሉ፡ ንደገፍቶም ካብ ምሕጓስ ትሓልፍ...
ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝልመድ ዘሎ መብጣሕቲ ሕርስን ሳዕቤኑን
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ መብጣሕቲ ሕርሲ ወይ ሲዛርያን ሰክሽን (CS) ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ጥራይ ክግበር ይምዕድ። መብጣሕቲ ሕርሲ፡ ህይወት ኣደታትን ዕሸላትን ንምውሓስ ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ጥራይ ክግበር ዝላበው ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብደረጃ ዓለም ካብ ዝውለዱ ህጻናት ካብ 10–15 ሚእታዊት ጥራይ እንተዀነ ይምዕድ። ይዅን'ምበር ኣብዚ እዋን እዚ ብመብጣሕቲ ዝካየድ ሕርሲ ኣዝዩ እናወሰኸ ብምምጽኡ ስክፍታታት የልዕል ኣሎ። ብደረጃ ዓለም መጠን ካብ ዝውለዱ ህጻናት ብገምጋም እቶም 21.1 ሚእታዊ ብመብጣሕቲ እዮም ዝውለዱ...
ብጽምእን ጥምየትን ዝሃለቝ ካብ ሊብያ ዝተበገሱ ስደተኛታት
22 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ንሽዱሽተ መዓልታት ኣብታ ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ትኸይድ ዝነበረት ጃልባ ንሽዱሽተ መዓልታት ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝሞቱ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ኣፍሊጡ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ሓደ ህጻንን ዝርከብዎም 26 ሰባት ካብቲ ሓደጋ ብዓርቢ ብሓለዋ ዶብ ኤውሮጳ ድሒኖም። ክልተ ካብኣቶም ኣብ ደሴት ቅሬጥስ ናብ ዝርከብ ሄራክሊዮን ዝብሃል ሆስፒታል ተወሲዶም።
ቅልውላው ነዳዲ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብአን ሃገራት ዝወስድኦ ዘለዋ ስጕምታት
ሓባራዊ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ስዒቡ፡ ኢራን ዝወሰደቶ ብግዜን ቦታን ሰፊሕ ግብረመልሲ ዓለማዊ ቍጠባዊ ቅልውላው ኣስዒቡ'ሎ። ብፍላይ እቲ ሓደ ካብ ዓበይቲ ኣገደስቲ መስመራት ነዳዲን ጋዝን ዓለም ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ድሕሪ ምዕጻዋ ቀረብ ጸዓት ብደረጃ ዓለም ኣብ ሓደጋ ወዲቝ ይርከብ። ቀጥታዊ ተጠቀምቲ እዚ ብኢራን ተሓኒቝ ዘሎ መስመር ዝዀና ሃገራት ኤስያ ብፍላይ፡ ነቲ ዘጋጠመን ቅልውላዋት ንምግጣም ዝተፈላለየ ስጕምትታ ይወስዳ ኣለዋ። ...

























