ኤርትራ፡ 'ግዓት' ኣብ ዝርዝር ባህላዊ ቅርሲ ዓለም ንምምዝጋብ ትዳሎ
ኤርትራ፡ ነቲ ብወለዶታት ክሰጋገር ዝጸንሐ ዘይጭበጥ ባህላዊ ቅርስታታ ንምዕቃብን ኣብ ዓለምለኻዊ መዝገብ ንምስፋርን ዘኽእል ሃገራዊ ዓቕማ ንምዕባይ ትሰርሕ ከም ዘላ መርበብ ሓበሬታ ትካል ትምህርቲ፡ ሳይንስን ባህልን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ሓቢሩ። ብመሰረት ጸብጻብ እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ መላእ ኤርትራ ምድላው "ግዓት"...
Latest releases
ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ ኤርትራ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓርሱ፡ ኣቢይን ትግራይን እንታይ በለ?
ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝኾነ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘካየዶ ኣዘራራቢ ቃለመሕትት፡ ብዛዕባ ኤርትራ፡ ወጥሪ ዝፈጠረ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ፡ ውሽጣዊ ኵነታት ኢትዮጵያ፡ ከምኡ'ውን ውልቃዊ ፖለቲካዊ መርገጺታቱን ሓለቓኡ ኣቢይ ኣሕመድን ተዛሪቡ'ሎ። ኣብቲ ብፍሉጥ ጋዜጠኛ መህዲ ሓሳን ኣብ መደበር ዜና ኣልጀዚራ ዝቐርብ መደብ 'ሄድ ቱ ሄድ' ኣብ ዘካየዶ ርሱን ቃለመሕትት፡ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ናብ ኲናት ከምዘየምርሕ'ዩ ዝምጕት። ዛዕባ ናይ ኣቢይ ኣሕመድ ባህግታት ምህናጽ "ዓባይ ኢትዮጵያን...
ኣመሪካዊ ጀነራል ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ዑደትን ርክባትን ተዛሪቡ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ዘካየደ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ጀነራል ዳግቪን ኣንደርሰን ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ምብጻሕን ዝገበሮ ርክባትን ተዛሪቡ። ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እቲ ናይ እዚ ኣፍሪቃ (ኣፍሪካ ኮማንድ/ኣፍሪኮም) ኣዛዚ፡ ቅድሚ ሕጂ ናብታ ሃገር በጺሑ ከምዝነበረ ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ "ኣገዳሲት" ምዃና ገሊጹ። "ቀንዲ ምኽንያት መምጽእየይ፡ ናይ ሓባር ስግኣታት ስለዘለዉና እዩ። ነዚ ዞባ ሓድሽ ኣይኮንኩን፡ እቶም ጉዳያት እንታይ ምዃኖም እርዳእ እየ። "ስለዚ ነዞም ስግኣታት እዚኦም...
ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓተትቲ ዕቝባ ዝእግድ መምርሒ ኬንያ ደው ኢሉ፡ ኡጓንዳኸ?
ላዕላዋይ ቤትፍርዲ ኬንያ፡ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመጽኡ ሓተትቲ ዕቝባ ስደተኛታት ኣገልግሎት ምዝገባ ደው ንዘብል መምርሒ ካብ ምትግባር ዓጊቱዎ። ዳኛ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ጃስቲስ ቻቻ ምዊታ፡ ብሓሙሽተ ኣካላት ሰብኣዊ መሰላትን ተጣበቕቲ ስደተኛታትን ዝቕረበ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር መሰረት ዝገበረ ጥርዓን ክሳዕ ዝስማዕን ዝውሰንን፡ ነቲ ብ31 ሓምለ 2025 ብኮምሽነር ጉዳያት ስደተኛታት ዝወጽአ መምርሒ ከይትግበር ዝኽልክል ትእዛዝ ከም ዘውጽአ ማዕከናት ዜና ኬንያ ገሊጸን። ዳኛ፡ እቲ ንምዝገባ ኤርትራውያንን...
ቀርኒ-ኣፍሪቃ ኣብ መወዳእታ-ርብዒ ናይ 19 ክፍለ-ዘመን
ድሕሪ ኲናት 1870፡ ዓበይቲ ሓይልታት ኤውሮጳ ንኣፍሪቃ ክማቐላ ምስ ነቐላ፡ ኢጣልያ ነቲ ናብኣ ዝቐረበ መሬት ኣፍሪቃ፣ ማለት ቱኒስ ክትረክብ ብናይ ሻቡ ስነ-መጎት ባህርያዊ ነበረ። ኢጣልያ ናብ’ዛ ካብ ጎቦታት ኣልጵስ ቀጺላ እተራኽብ ሓውሲ ደሴት ኣፍሪቃ ዝኾነት ቱኒስ ሰፋሮን ነጋዶን ሰዲዳ፣ ገንዘብ ኣብ ስርዓተ-መስኖ ኣዋፊራ፣...


























