ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ካብ ዘልዓሎም ነጥቢታት
ኣብይ ኣሕመድ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኰይኑ ተሸይሙ ኣሎ። በዚ ድማ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝለዓለ መሪሕነት እታ ሃገር ብሓፈሻ ድማ ን13 ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዘኽእሎ ስጕምቲ እዩ። ኣብ ሻብዓይ ሃገራዊ መረጻ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ሰልፊ ብልጽግና ዝመርሕ ኣብይ ኣሕመድ፡...
Latest releases
ኣፍደገ ባሕሪ / ኣፍደገ ሓዊ
ብሓጺሩ !ብኣዚዩ ዝሓጸረ ገለጻ ፡ኤርትራ ከም ኩለን ዓጽመስጋዊ ቋንቋዊ . . . ዝምድነኤንኣብ ግምት ከይኣተወ ብመግዛዕቲ ብካራ ተተርቲረን ቅርጸን ዝሓዛ ሃገራት`ያ ፤ኤርትራ ከም ኩለን ብዓመጽ ብካራ ተተርቲረን ቅርጸን ዝሓዛ`ሞ ብኣህጉራውን ኣፍሪቃውንውዑላት ዶባተን ክረግእ ዝተገብረ ሃገራት ኣብ ርእሲ ምዃና፤ ን30 ዓመት ነቲ...
ዝኽሪ ላምፐዱሳ፡ ህይወት ኣማኢት ኤርትራውያን ዝቐዘፈ ህልቂት
መበል 12 ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ደሴት ላምፐዱሳ ተዘኪሩ ውዒሉ። ኣብቲ ኣብ ገማግም እታ ኢጣልያዊት ደሴት ዝተኻየደ ስነስርዓት ዝኽሪ፡ ሰብመዚ መንግስቲ፡ ተሓለቕቲ፡ መሓዙትን ቤተሰብን ግዳያት ተረኺቦም ነይሮም። ክልዕ ከምዛ ሎሚ፡ 03 ጥቅምቲ 2013፡ ካብ ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ቈሪጾም ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ዝተገበሱ፡ ቆልዑ ዝርከብዎም 368 ኤርትራውያን ኣብ ገማግም ባሕሪ ደሴት ላምፐዱሳ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝጠሓሉ ይዝከር።
'ኲናት ንስርዓት ኣቢይ መጀመርታ ናይ መወዳእታኡ ክኸውን ይኽእል እዩ' - ኣምባሳደር ዓንደብርሃን
ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ዓሌታዊ ምትፍናን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገራት ብዝግበር ኲናት ሓድሕድ፡ ሃገራት ኣብ ሓድሕደን ብዝፈጥርኦ ወጥሪ ይዅን ኲናት ከምኡ'ውን ብግዳማዊ ምትእትታው ዝተፈላለያ ሃገራትን ሓይልታትን ዝፍለጥ ዞባ እዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ካልእ ሓድሽ ኲናት ከይወልድ ኣስጊኡ ኣሎ። እዚ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ብቐንዱ ኢትዮጵያ ብእተልዕሎ ዘላ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ዝተበገሰ እዩ። ነዚ ሕቶ'ዚ ንምርግጋጽ ድማ ብሓይሊ ንወደብ ዓሰብ ናይ ኤርትራ ክትምንዝዕ ኣብ ቅድመኣ ዘሎ ኣማራጺ...
ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዘይገሹዋ?
ኤርትራ፡ ብባህሪያዊ ጸጋታት ዝተዓደለት፡ ግን ከኣ ብድኽመት ምሕደራ ዝተዳህከት፡ ኣዝያ ዕጽውቲ ሃገር እያ። በቲ ሓደ፡ ተስፋ ብዝህብ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ፡ ጥንታዊ ታሪኽን፡ ዘሐብን ልምድታት፡ ክብሪታትን ባህልታትን ህዝባ፡ ዝማሞቐት ንእሽቶ ግን ዓባይ ሃገር እያ። በቲ ካልእ መዳይ ከኣ ብድኽነት፡ ገና ዘይዘመነን ዝደሓረን ትሕተ ቅርጺ መራኸቢታት ፖለቲካዊ ተነጽሎን፡ ብኸንቱ ብዝባኽን ዘሎ ዕድላትን እትሳቐ ዘላ ሃገር እያ። እዛ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር፡ ገና ብድንግሉ ዘሎ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኪሎሜትር ዝዝርጋሕ ገማግም ቀይሕ...


























