ኣብ ኤርትራ ዝበጽሐ ፍሉይ ወኪል ቻይና ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ
ፍሉይ ወኪል ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ እታ ሃገር ተዘራሪቡ። ሎሚ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝኣተወ ሁ ቻንግቹን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ'ሎ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ከምዝበሎ፡ ተራ ቻይና ኣብ ዓለምለኻዊን ዞባዊን ጉዳያት ክዓቢ ከምዘለዎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ቻይናዊ ዲፕሎማሰኛ...
Latest releases
ዓዲ እንግሊዝ፡ ብምስግጋር ሰባት ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ተታሒዙ
ሓደ ብምስግጋር ሰባት ተጠርጢሩ ኣብ ቤልጂም ኣብ መዝገብ ተደልይቲ ሰባተ ኣትዩ ክድለ ዝጸንሓ ኤርትራዊ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። እቲ ወዲ 25 ዓመት ኤርትራዊ፡ ብሓሙስ'ዩ ኣብ ከተማ ኮቨንተሪ ብፍሉያት ኦፊሰራት ኤጀንሲ ሃገራዊ ገበናት [ National Crime Agency (NCA) ]ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።ኣኽበርቲ ሕጊ ቤልጂም እዚ ውልቀሰብ፡ ስደተኛታት ብመትረብ እንግሊዝ ብጃልባ ንምስጋር ብ2500 ኤሮ፡ ብመኪና ከኣ 1500 ኤሮ ከፊሎም ንምስጋር መንገዲ ከጣጥሕ ከምዝጸንሐ'ዮም ዝገልጹ። ...
ኤርትራ፡ ክለብ ደንደን ደቀንስትዮ ኣብ ዞባዊ መጻረዮ ቻምፕዮንስ ሊግ ክትሳተፍ'ያ
ብመኮነን ጐስጓስን ሓበሬታን ምኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ እትምወል ክለብ ደንደን ደቀንስትዮ ኣብቲ ካብ 4 ክሳብ 16 መስከረም ኣብ ኬንያ ዝካየድ ዞባዊ መጸረዪ ኵዕሶ እግሪ ቻምፕዮንስ ሊግ ደቀንስትዮ ኣፍሪቃ ክትጻወት'ያ። ኤርትራ ብደረጃ ደቀንስትዮ ይዅን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ከምዚ ዓይነት ጸወታ ክትሳተፍ እዚ ንመጀመርታ'ዩ። ዳይረክተር ሴካፋ ኣውካ ጌቾ፡ ጋንታ ደንደን ኣብቲ ውድድር ክትሳተፍ "ቀጠልያ መብራህቲ" ከምዝተወለዓላ ብምሕባር "ካብ ኤርትራ ኣብዚ ውድድር ንመጀመርታ ግዜ እትሳተፍ ጋንታ ምህላዋ...
ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ደረጃ 'ትሑት ሰላም' ዘለወን ሃገራት ተሰሪዐን
ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ ዝርዝር ትሑት ሰላም ዘለወን ሃገራት ከም ዝተሰርዓ ግሎባል ፒስ ኢንዴክስ ኣመልኪቱ። ግሎባል ፒስ ኢንዴክስ (ጂፒኣይ) ኵነታት ሰላም 163 ሃገራት ዓለም ኣብ ዝገምገመሉ ጸብጻብ ዓመተ 2025፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትሑት ነጥቢ ብምርካብ፡ኣብ ድሕሪት ኣስፊሩወን። ኢትዮጵያ ካብ 163 ሃገራት ነተን 25 ብምቕዳም፡ ኣብ መበል 138 ደረጃ ተረቝሓ። ብተወሳኺ ኣብዚ ገምጋም ኵነታት ሰላም ካብ...
መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢጣልያ ዝኸተሞ ውዕል፡ ንወፍሪ ተዳልዩ ከም ዘሎ ዘርኢ ድዩ?
ኣብ ለካቲት 2024 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳመይቲ ምኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒን ኣብ ሮማ ድሕሪ ዝካየዱዎ ምርድዳእ፡ ብ29 ሓምለ 2025 ንልኡኽ ኢጣልያ መሪሑ ናብ ኤርትራ ዝተጓዕዘ ምኒስተር ሕርሻ፡ ልኡላውነት መግብን ሃብቲ ገረብን ፍራንቸስኮ ሎሎብሪጋዲ ምስ ምኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኤርትራ ነስረዲን መሓመድሳልሕ ሓፈሻዊ ናይ ምትሕብባር ሰነድ ከም ዝኸተሙ ይፍለጥ። እቲ ስምምዕ፡ ኣብ ጽላታት ጸዓት፡ ወፍሪ፡ ምምዕባል መሰረተ-ልምዓት፡ ምስናዕ፡ ሕርሻ፡ ሃብቲ ባሕሪ፡ ቱሪዝም፡ ባህሊ፡ ስፖርትን ምምዕባል...

























