ስነጥበበኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዛዕባ በሃር በረኸት መንግስትኣብ እንታይ ኢሎም?
በሃር ሃርሃሪ በረኸት መንግስትኣብ ኣብዚ ከየባተኸ ንልዕሊ 65 ዓመታት ኣብ ስነጥበብ ዝተጓዕዞ፡ ልዕሊ 300 ደርፍታት ኣፍርዩ። ሙዚቃዊ ስርሓቱ ዝተፈላለዩ ህርመታት፡ በበይኖም ቅኒታት፡ ዓሚቝን ሰፊሕን ትሕዝቶ ግጥምታት ወዘተ ዝሓዘ እዩ። ስለዝዀነ፡ ኣብ ሰለስተ ወለዶታት ኣሰር ዝገደፈን ኲኖ ኤርትራ ዝሓልፍ ሰማዕቲ ዝረኸበን እዩ። ዜና ዕረፍቱ ምስ ተሰምዐ፡ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውን፡ ሱዳናውያን. . . ብዝተፈላለየ መንገዲ 'ብሰላም ዕረፍ' ክብሉን ኣድናቖቶም...
Latest releases
ክልተ ኤርትራውያን ኣብ መስመር ኬንያ-ዩጋንዳ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ሞይቶም
ቀዳም 16 መጋቢት ምሸት፡ ካብ ኬንያ ናብ ዩጋንዳ ኣብ ዝወስድ መስመር ብዘጋጠመ ሓደጋ ክልተ ኤርትራውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ሓያሎ ካልኦት ድማ ኣብ ሆስፒታል ከተማ ናኩሩ ተዓቚቦም ከምዘለዉ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ድራር ፍጊዕ ክሳብ ዝብለና በሊዕና ንምንታይ ኢና ንግሆ ኣዚና ንጠሚ?
ገለ ሰባት ድራር ኣዝዩ ልዕሊ ዓቐን ኢልካ ክግለጽ ክሳዕ ዝከኣል በሊዖም ክንሶም ንገሆ ብብርቱዕ ጥሜት ከምዝበራበሩ ይዛረቡ።
ኤርትራ፣ ኣብ መላእ ጸወታታት ኣፍሪቃ፣ ብቅድድም ብሽክለታ ኣብ ሓደ መዓልቲ ሰለስተ ወርቂ ሓፊሳ
ኣብ ጋና ኣብ ዝካያድ ዘሎ መላእ ጸወታታት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ስፖርት ዝወዳደሩ 35 ኣትሌታት ልኢኻ ዘላ ኤርትራ፣ ብ12 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ፣ ሰለስተ ወርቂ ሓፊሳ።
ኬንያ፡ ኣብ ሓደገኛ ጉዕዞ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝጠፍኡ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ 10 ተስፋ ዝቖረጹ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ገጾም ተበጊሶም። መዕለቢኦም ኡጋንዳ’ዩ። ክሳብ ቀረባ ዓመታት ኣስታት 200 ሽሕ ዝዀኑ ኤርትራውያን ዝበዝሑ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ነይሮም። ይኹን’ምበር እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ...
























