Horn of Africa risks becoming arena for Gulf rivalry as Ethiopia drawn into power struggle - AFP
Addis Abeba – Intensifying competition among rival Gulf monarchies is increasingly shaping political and security dynamics in the Horn of Africa, with Ethiopia emerging as a key focal point,...
Latest releases
ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ እተሕድሮ ዘላ 'ስግኣት' ደው ክብል ጸዊዖም
ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝመደበሩ 'ኤርትርያ ፎከስ' ዝተባህለ ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ኢትዮጵያ ብመሬት ኤርትራ ኣቢላ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ "መሰል ከም ዘለዎ ብእተካይዶ ዘላ ተዋጋኢ ትረኻ፡" ዓቢይ ስክፍታ ከም ዝሓደሮ ገሊጹ። "ዝዀነ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ፡ ብምፍርራሕ፡ ብኣስገዳድ ይዅን ብወራር፡ ንኣህጉራዊ ሕጊ፡ ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን መሰረታዊ መትከላት ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ካብ መግዛእታዊ ምሕደራ ዝተወርሰ ዶባት ምኽባር ደጊሙ ዘረጋግጽ ኣዋጅ ካይሮ 1964 ቅሉዕ ምጥሓስ ክኸውን እዩ፡" ኢሉ።
ኤርትራን ህወሓትን ብሓባር 'ኲናት ንምእዋጅ' ይሰርሑ ኣለዉ - ኢትዮጵያ
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይን ኣንጻር ኢትዮጵያ "ኣብ ውግእ ተዋፊሮም" ክብል ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ከሲሱ። እቲ ሚኒስትሪ ዘቕረቦ ክሲ፡ ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ቀረባ እዋን ንርእሰ ከተማ ሰሜን ወሎ ወልድያ ንምቁጽጻር ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ኢድ ከምዝነበሮም ይጠቅስ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጊዴዎን ጢሞቴዎስ ብ2 ጥቅምቲ 2025 ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ኣኽራሪ ውድብ ህወሓትን ዘሎ ምሕዝነት እናነጸረ መጺኡ ኣሎ" ይብል። ...
'ኲናት ዝውልዕ' መግለጺ ፕረዚደንት ኢትዮጵያን ግብረመልሲ ኤርትራን
ኤርትራ፡ ነቲ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዝሃቦ ንኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ፍልይ ዝበለ መግለጺ መልሲ ሂባትሉ። ምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ብሰሉስ ምሸት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺ ሓድሽ ግጭት ክውልዕ ዝኽእል'ዩ ክብል ነቒፉ። ፕረዚደንት ታየ ኣጽቀ ስላሰ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ናይ መኽፈቲ መደረ፡ ኢትዮጵያ "ኣብ ዓለማዊ፡ ኣህጉራውን ዞባውን ጉዳያት "ንጡፍ ተሳተፎን ሓያል ጽልዋን" ክህልዋ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ኣፍደገ ባሕሪ "ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ" ከም ዝተመንዝዐት ተዛሪቡ።
ኣብርሃም ኣፈወርቂ፡ ኣብ ልቢ ሰማዕቱ እናሻዕ ዝውለድ ስነጥበበኛ
ድምጻውን ሙዚቀኛን ኣብርሃም ኣፈወርቂ ልክዕ ከምዛ ሎሚ ዕለት፡ ብ7 ጥቅምቲ 2006 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ንኣብርሃም ህይወቱ ኣብ ዝወሰደ ንደሴታት ናዅራን ጀሚለን ዝመቅል ጸቢብ መትረብ፡ ንፋስ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ ወይ'ውን ብኣንጻሩ ኣብ ዝነፍሰሉ ግዜ፡ ማዕበል ከም ወሓይዝ'ዩ ዝመሓላለፈ። እቲ ብውሽጣዊ ማዕበል ዝናወጽ ቦታ ዝፈጥሮ ድምጺ ግን ድሕሪ 19 ዓመት'ውን እንተዀነ፡ ብልዕሊ ድምጺ ኣብርሃም ወጺኡ ክስማዕ ኣይከኣለን። ፈልሲ ስነጥበባዊ ድምጺ ኣብርሃም ንሞት ስዒሩ ኣብ ልብን ቀልብን...

























