ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዓዋቲ ብጫን ቀጠልያን ማልያ ዙር ማግኒፍሰንት ኵንሃይ ኰይኑ
ኤርትራዊ ኣባል ካዛኪስታናዊት ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022፡ 2023 ከምኡ'ውን 2024 ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዓዋቲ ብጫን ቀጠልያን ማልያ ኣብ ቻይና ዝካየድ ዙር ማግኒፍሰንት ኵንሃይ ኰይኑ ውድድሩ ከም ዝዛመ ኣብ ሳይክሊን ስታት ዝወጽአ ጸብጻብ ገሊጹ። ኣብዚ ሸሞንተ መድረኻት ዝነበሮ ሓያል ጸወታ፡ ተቐዳደምቲ ብድምር 1323.7 ኪሎሜተር'ዮም ዘዊሮም። ሄኖም ምሉእብርሃን ከኣ ንውድድሩ ብ30 ሰዓት 5 ደቂቕን 13...
Latest releases
ንኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ዘዘራርብ ዘሎ 'ናብ ርሕሚ ዝኣቱ እምኒ' እንታይ ንፈልጥ?
ኣብ ቀረባ ሰሙናት፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ‘ጃዴ ስቶንስ’ ወይ 'ዮኒ ኤግስ'ን ካልእን ብዛዕባ ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣእማን ተላዒሉ ዝቐነየ ልዑል ክትዓት ኣሎ። ገሊአን፡ ረብሓታት እዞም ኣእማን’ዮም ዝበላኦም ሳይንሳዊ ድርኺት ዘይብሎም ረብሓታት ብምርቋሕ፡ ንኣጠቓቕማኡ ዝምልከት መምርሒታት ክህባ ቢቢሲ ተዓዚቡ ኣሎ። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ድማ፡ ኣብዚ ጉዳይ ባህላዊ፡ ሃይማኖታውን ጥዕናውን ስግኣታት ብምልዓል ክፈጥሮ ኣብ ዝኽእል ማሕበራዊ ነውጺ ስክፍታኦም የልዕሉ ኣለው።
‘ካብ ባይቶና ባይቶ ኣመሪካ’ዩ ዝያዳ ዝጸልወና...’ - ዶ/ር ፍትሒ ዓንዶም ብኸመይ ተንቲናቶ?
ኣብዚ እዋን ኣቓልቦ መላእ ዓለም ጸሚዱ ዘሎ መረጻ ኣመሪካ፡ ዝተፈላላያ ሃገራትን ህዝብታትን በብናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓታትን ኣገዳስነትን ይርእይዎን ውጽኢቱ ይጽበዩን ኣለዉ። ኣብዚ ዓለም ብከቢድ ፖለቲካዊ-ቍጠባ፡ ወተሃደራዊን ጸጥታውን ይዅን ክሊማዊን ሰብኣዊን ቅልውላዋት ትሕመሰሉ ዘላ እዋን፡ እታ ርእሰ ሓያል ዝዀነት ኣመሪካ ብዘለዋ ገዚፍ ተራን ጽልዋን እትመርጾ ፕረዚደንት ወሳኒ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግለጽ። ብፍላይ ንዓለም ከቢድ ዝሃሰየ ኵነታት ሩስያ-ዩክረይን፡ ዝሰዓቦ ጉዳይ እስራኤል-ፍልስጤም ዝመበገሲኡ ቅልውላው ማእከላይ...
መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ትራምፕዶ ካማላ - ንኤርትራ መንኦም ዝያዳ የገድስ?
ኣመሪካውያን ሎሚ 5 ሕዳር ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት ዝመርሖም ፕረዚደንት ዝመርጹላ ናይ መወዳእታ መዓልቲያ። ኣመሪካ ኣብ ዓለም ዓብላሊት ሃገር ከም ምዃና መጠን፡ ሃገራት ዓለም መን እንታይ ጽልዋ ይህልዎ? ብነናተን ኣጠማምታ ክገልጻኦ ይስማዓ’የን። እዚ ሕቶ’ዚ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኡ ኣቢልና ከኣ ናብ ኤርትራ ምስ እነምጽኦ፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ኣረኣእያ’ዩ ዘለዎም። ተንታኒ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሃሽም ኣመሪካ ምስ ቃልሲ ግብረ ሽበራውያን ኣብ ዝተሓሓዝ’ምበር ንሃገራት...
ኤርትራውያን ነበርቲ ኢትዮጵያ፡ ንመውጽኢ ቪዛ ክሳብ 4-ሽሕ ዶላር ከምዝኸፈሉ ይዛረቡ
ኣዲስ ኣበባ —ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ካብታ ሃገር ንምውጻእ ብኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ክሳብ 4-ሽሕ ዶላር ዝኸውን ክፍሊት ይሕተቱ ከም ዘለዉ ገሊፆም። ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም እቲ ክፍሊት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ከም ዝፈላለ ይገልፁ። እቲ ትካል ብወገኑ እቲ ዝተጠቐሰ ክፍሊት ንመውፅኢ ቪዛ ዘይኮነስ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ ፍቓድ ንዝነበሩሉ ጊዜ ዝተወሰነ መቅጻዕቲ እዩ ብምባል መልሲ ሂቡ ኣሎ።