ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ...
Latest releases
ጀርመን፡ ዕሸል ውላድ ናይታ ኣእዳዋ ተቖሪጹ ዝተረኽበ 'ኤርትራዊት' በይኑ ተረኺቡ
ናይ ሰለስተ ወርሒ ዕሸል ውላድ ናይታ ዝተቖርጸ ኣእዳዋ ኣብ ደረት ዓቢ ጽግርያ ተደርብዩ ዝጸንሐ ኤርትራዊት በይኑ ከምዝተረኽበ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ጀርመን ሓቢረን። እታ ኣብቲ A-45 ተባሂሉ ዝጽዋዕ መስመር ጽርግያ ኣእዳዋ ዝተረኸበት ጓል 32 ዓመት ኣደ፡ ካብ ኤርትራ ዝመጸት ሓታቲት ዑቕባ ምንባራ ብኣሰር ኣጻብዕታ ከምዝተለለየት እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። "እቲ ቆልዓ ብሰንበት ኣብ ቮልድሶልምስ ኣብ ዝርከብ ደብሪ ኣብ ዓረቢያ ደቂሱ'ዩ ተረኺቡ" ክብል ሓደ ብዓልመዚ ፖሊስ ከምዝተዛረበ ታግስቻው ዝተባህለ ማዕከን ዜና ገሊጹ።
Severed hands belong to woman from Eritrea - her baby was discovered alive outside a monastery
Two severed hands were discovered on the A45 highway in North Rhine-Westphalia, Germany, on Monday night. The police have identified a woman from Eritrea and are now investigating the background to the...
ጀርመን፡ ኣእዳው ሓንቲ 'ኤርትራዊት' ኣብ ጽርግያ ተቘሪጹ ከም ዝተረኽበ ተገሊጹ
ኣብ ጀርመን ኣብ መስመር ጽርግያ አይ-45 ናይ ኤርትራዊት ምዃኑ ዝተኣመነሉ ዝተቘርጸ ኣእዳው ተረኺቡ። በቲ መንገዲ እትዝውር ዝነበረት ሰበይቲ ዘይንቡር ነገር ድሕሪ ምርኣያ ንፖሊስ ሓቢራ። ዘይወግዓዊ ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ እቲ ክልተ ዝተቘርጸ ኣእዳው ናይ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ምዃኑ ጀርመናዊት ጋዜጣ ቢልድ ጸብጺባ፤ መን ምዃና ግን ኣይተሓበረን ዘሎ። ኣባላት ኮለላ ፖሊስ ናብቲ ኣብ መንጎ መስቀላዊ መንገዲ ኦልፐ-ሱድን ፍሮይደንበርግን ዘሎ ቦታ ብቕጽበት ብምብጻሕ፡ ነቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ኣረጋጊጾምዎ። ...
ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ 'ዘይምኽኑይ ኲናት' ክትውልዕ ትደሊ ኣላ ክትብል ከሲሳ
ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ ነቲ ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጌድዮን ጢሞትዮስ፡ ኤርትራ "ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ፡" ትፈጥር ኣላ ኢሉ ንዝኸሰሶ፡ "ርእይቶ ህዝቢ ንምትላል ዝግበር ርኡይ ሃቐነ፡" ብምባል መልሲ ሂብሉ። እቲ ምኒስተር ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ሰልፊ ብልጽግና፡ "ዝኣወጆ ማኒፈስቶ ኲናት" ብቐጻሊ መጠረዚኡ እናቐየረ ንነብሱ ከም "ግዳይ" ናብ ዝርኢ ትረኻ ዝኣተወ ይመስል ኢሉ። "ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብልጽግና፡ ’ኣድላዪ እንተዀይኑ ልዑላዊ ኣፍደገ ባሕሪ ብሓይሊ...






















