ናብ ምሕጫጭን ምሳሌታትን ዝሰገረ ዳርባ ቃላት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን
ኣብ መንጐ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ናብ ወተሃደራዊ ግጭት ከይዓርግ ኣብቲ ዞባ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ይፍለጥ። ጠንቂ ምትፍናን ክልቲአን ሃገራት ንምግላጽ ሓያሎ ረቛሒታት ክጥቀስ ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፡ ብቐንዱ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምርካብን ምውናንን 'ልኡላዊ' መሰል ከምዘለዋ...
Latest releases
መንግስቲ ኬንያ ምዝገባ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ደው ከየብሎ ተኣዚዙ
ኬንያ ነቲ ካብ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን ዝቐረበ ሕቶታት ዕቝባ ጉዳይ ብጉዳይ ክትምርምሮ ምዃና ብምሕባር፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ልዕሊ ካብዘን ሃገራት ዝመጹ ኣመልከትቲ ዝተነብረ እገዳታት ኣነጺራ። ብመሰረት ዘ ኢስት ኣፍሪቃ ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ኬንያ ካብ ሓምለ ጀሚራ'ያ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመጽኡ ሓተትቲ ዕቝባ ምቕባል ኣቛሪጻቶ። ነዚ ስዒቡ ኣብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ጥርዓን ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኮሚሽነር ጕዳይ ስደተኛታት ኬንያ ነቲ ንዝቐረበ ክሲ ምላሽ ክህብ ከሎ ናይ ሓቂ ሓተትቲ ዕቝባ ምምዝጋብ ክቕጽል...
ኤርትራ፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት ተኣሲሮም ዝጸንሑ 6 ስሪላንካውያን ተፈቲሖም
ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሽዱሽተ ባሕረኛታት ስሪላንካ ከምዝተፈትሑ ተገሊጹ። ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ምኒስትሪ ስርሓት ወጻእን ቱሪዝምን ከምኡ ከኣ ኤምባሲ ስሪላንካ ኣብ ግብጺ ምስ ሰብ መዚ ኤርትራ ድሕሪ ዝገበርዎ ዘተን ምርድዳእን እቶም ሽዱሽተ ባሕረኛታት ስሪላንካ ከምዝተፈትሑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እታ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ ሃገር ኣብ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ቤትጽሕፈት ስለ ዘይብላ፡ ብመንገዲ እቶም ኣብ ግብጽን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈታታ ኣቢላ'ያ ነቶም ባሕረኛታት ንምፍታሕ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ጸኒሓ።
ቤላሩስ ከም መሰጋገሪ፡ ኤርትራዊ ስደተኛ እንታይ ይብል?
ሓለዋ ዶብ ቤላሩስ ሓደ ሬሳ ዝተሰከሙ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ምስ ላቲቭያ ዘዳውብ ዞባ ብራስላቭ ከም ዝረኸቡ ማዕከን ዜና ኤስ ቢ ኣቓሊሓ። እቶም ብሰሉስ 21 ጥቅምቲ ዝተረኸቡ ብተርጐምቲ ተሓጊዞም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገለጹ ስደተኛታት፡ ኣብ ላቲቭያ'ኳ ኣትዮም እንተ ነበሩ፡ ኣብ ላቲቭያ ወተሃደራዊ ክዳን ብዝገበሩ ሰባት ተሃሪሞም፡ ሞባይላቶም ተሓዲጐም፡ ብብረት እናኣፈራርሑ ኣብ መኪና ሰቒሎም ኣብ ዶብ ቤላሩስ ከም ዝደርበዩዎም ሓቢሮም። እቲ ኣ መንገዲ ዝሞተ...
ሬሳ መጓዕዝቶም ተሸኪሞም ኣብ ዶብ ቤላሩስ ዝተረኸቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትት
ሓለዋ ዶብ ቤላሩስ ሓደ ሬሳ ዝተሰከሙ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ምስ ላቲቭያ ዘዳውብ ዞባ ብራስላቭ ከም ዝረኸቡ ማዕከን ዜና ኤስ ቢ ኣቓሊሓ። እቶም ብሰሉስ 21 ጥቅምቲ ዝተረኸቡ ብተርጐምቲ ተሓጊዞም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገለጹ ስደተኛታት፡ ኣብ ላቲቭያ'ኳ ኣትዮም እንተ ነበሩ፡ ኣብ ላቲቭያ ወተሃደራዊ ክዳን ብዝገበሩ...


























