ኤርትራ ንመግለጺ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያን ጌታቸው ረዳን ዝሃበቶ ምላሽ
ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሃቦ "ትያትራውን ፈጠራውን" ክስታት ሓቅነት ከም ዘይብሉ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ገሊጹ። ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያን ኣገልግሎታት ጸጥታን ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ኣልጀዚራ ተላፊኑ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ህወሓት ብድፍኢት ኤርትራ "ኣብዚ ቀረባ መዓልታት" ኣብ ልዕሊ...
Latest releases
ኤርትራ፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት ተኣሲሮም ዝጸንሑ 6 ስሪላንካውያን ተፈቲሖም
ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሽዱሽተ ባሕረኛታት ስሪላንካ ከምዝተፈትሑ ተገሊጹ። ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ምኒስትሪ ስርሓት ወጻእን ቱሪዝምን ከምኡ ከኣ ኤምባሲ ስሪላንካ ኣብ ግብጺ ምስ ሰብ መዚ ኤርትራ ድሕሪ ዝገበርዎ ዘተን ምርድዳእን እቶም ሽዱሽተ ባሕረኛታት ስሪላንካ ከምዝተፈትሑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እታ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ ሃገር ኣብ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ቤትጽሕፈት ስለ ዘይብላ፡ ብመንገዲ እቶም ኣብ ግብጽን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈታታ ኣቢላ'ያ ነቶም ባሕረኛታት ንምፍታሕ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ጸኒሓ።
ቤላሩስ ከም መሰጋገሪ፡ ኤርትራዊ ስደተኛ እንታይ ይብል?
ሓለዋ ዶብ ቤላሩስ ሓደ ሬሳ ዝተሰከሙ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ምስ ላቲቭያ ዘዳውብ ዞባ ብራስላቭ ከም ዝረኸቡ ማዕከን ዜና ኤስ ቢ ኣቓሊሓ። እቶም ብሰሉስ 21 ጥቅምቲ ዝተረኸቡ ብተርጐምቲ ተሓጊዞም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገለጹ ስደተኛታት፡ ኣብ ላቲቭያ'ኳ ኣትዮም እንተ ነበሩ፡ ኣብ ላቲቭያ ወተሃደራዊ ክዳን ብዝገበሩ ሰባት ተሃሪሞም፡ ሞባይላቶም ተሓዲጐም፡ ብብረት እናኣፈራርሑ ኣብ መኪና ሰቒሎም ኣብ ዶብ ቤላሩስ ከም ዝደርበዩዎም ሓቢሮም። እቲ ኣ መንገዲ ዝሞተ...
ሬሳ መጓዕዝቶም ተሸኪሞም ኣብ ዶብ ቤላሩስ ዝተረኸቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትት
ሓለዋ ዶብ ቤላሩስ ሓደ ሬሳ ዝተሰከሙ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ምስ ላቲቭያ ዘዳውብ ዞባ ብራስላቭ ከም ዝረኸቡ ማዕከን ዜና ኤስ ቢ ኣቓሊሓ። እቶም ብሰሉስ 21 ጥቅምቲ ዝተረኸቡ ብተርጐምቲ ተሓጊዞም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገለጹ ስደተኛታት፡ ኣብ ላቲቭያ'ኳ ኣትዮም እንተ ነበሩ፡ ኣብ ላቲቭያ ወተሃደራዊ ክዳን ብዝገበሩ...
ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ብዛዕባ ዘለዉ ሽዱሽተ ስሪላንካውያን ዛጊት እንታይ ንፈልጥ?
ስሪላንካ፡ ብ7 ሕዳር 2024 ናብ ግዝኣታዊ ማያት ኤርትራ ጥሒሰን ብምእታወን ብብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ዝተታሕዛ ሰለስተ መራኽብ ዝነበሩ ሽዱሽተ ዜጋታታ ንምፍታሕ ዝገበረቶ ጻዕሪ ከም ዘይሰመረላ 'ዘ ኣይላንድ' ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ። ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስሪላንካ ዜጋታቱ ንምፍታሕ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ኤርትራን ኤምባሲታትን ጻዕሪታት ይገብር ከምዘሎ፡ ቢቢሲ ካብ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ዝረኸቦ ሓበሬታ የነጽር። እቶም ስሪላንካውያን ሰራሕተኛታት ናይቲ ካስፒያን ቢ.ቪ ዝተባህለ...


























