UK threatens to ban Eritreans over migrant return policy
Home Secretary Shabana Mahmood has threatened to ban all Eritreans from entering the UK if the east African country's government does not accept more returns of small boat migrants and foreign...
Latest releases
ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል ብዛዕባ መደረ ኣቢይ ኣሕመድ እንታይ ኢሉ?
ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ 7 ሓምለ 2026 ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ዘስምዖ ዓመታዊ መዕጸዊ መደረ ብትሪ ነቒፉ። ኣቶ የማነ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ገዛኢ ሰልፊ ዝኽተሎ ዘሎ፡ "ዘይርጕእ ፖሊሲታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሰፍን ንዝግባእ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኰይኑ ኣሎ፡" ኢሉ። እቲ ምኒስተር፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኣብዚ ናይ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ጕዕዞ ኣብ መንጎ ክልተ ኣዝዮም ዝተረሓሓቑ መርገጺታት...
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ትግራይን ኤርትራን እንታይ ኣልዒሉ?
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ሎሚ 7 ሓምለ 2026 ኣብ ዓመታዊ መዕጸዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝቐረብሉ ሕቶታት መብርሂ ዝሃበ ኰይኑ፡ "ህወሓት ቀልቢ እንተገዚኡ . . . ንምዝርራብ ጻዕሪ ከድሊ'ዩ፡" ኢሉ። እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ብቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዝተነፍገ ፖለቲካዊ ሰልፊ ህወሓት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ ምስ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ምስሕሓብ ኣትዩ ኣብ ዘለወሉ ግዜ'ዩ ነዚ ርእይቶ ሂቡ። ...
ሕቡራት ሃገራት፡ መዝነት ፍሉይ ተኸታታሊ ኵነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ክሕደስ ተወሲኑ
ሕቡራት ሃገራት፡ መዝነት ፍሉይ ተኸታታሊ ኵነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ክሕደስ ወሲኑ። ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ መጋባእያ፡ ነቲ እማመ ብሪጣንያን ኢትዮጵያን ዝርከብአን 23 ሃገራት ክድግፍኦ እንከለዋ፡ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝርከብአን17 ሃገራት ድምጺ ካብ ምሃብ ተዓቂበን፡ ግብጺን ቻይናን ዝርከበን 6 ድማ ተቓዊመን። መንግስቲ ኤርትራ እቲ መዝነት ከይቅጽል ኣብ ኣስመራን ጀነቫን ሓያል ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ'ኳ ከካይድ እንተጸንሐ ኣይሰመረሉን። ...
ኣብ ኮሎራዶ፡ ኣብ ቅድመ መረጻ ዝተዓወተት ሜላት ኪሮስ መን'ያ?
ወትሩ ንግሆ፡ እንዳ ሻሂ ክኸፍት ከለኹ፡ ጸሓይ ብራቕ ኮሎራዶ'የ ዝርኢ። ጐረባብተይ ሓቦን ተስፋን ሰኒቘም ውዕሎኦም ከመይ ከም ዝጅምሩ ይርእዮም።ሕጂ ግን፡ እታ እትበርቕ ጸሓይ'ውን ምርኣይ ኣጸጋሚ ኰይኑ፤ ናብራ ኣመና ከቢሩ፡ እቲ ቍጠባ ኣብ ሓያል ቅልውላው ወዲቝ ኣሎ . . .ጓል 29 ዓመት ትውልደ-ኢትዮጵያዊት ኣመሪካዊት ፖለቲከኛ ሜላት ኣስፋወሰን ኪሮስ፡ ቅድሚ 11 ኣዋርሕ፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ንምዃን ጐስጓስ ክትጅምር እንከላ ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ፡ ካብ ዝበለቶ'ዩ። ድምጺ መንእሰያት ይስማዕ የሎን ኢላ እትኣምን ሜላት፡ ኣብታ ግዝኣት ዘሎ ቤት ምኽሪ...























