ኤርትራ ንመግለጺ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያን ጌታቸው ረዳን ዝሃበቶ ምላሽ
ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሃቦ "ትያትራውን ፈጠራውን" ክስታት ሓቅነት ከም ዘይብሉ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ገሊጹ። ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያን ኣገልግሎታት ጸጥታን ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ኣልጀዚራ ተላፊኑ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ህወሓት ብድፍኢት ኤርትራ "ኣብዚ ቀረባ መዓልታት" ኣብ ልዕሊ...
Latest releases
'ትንሳኤ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ንምብሳር' ሓላፍነት ዝተረከበ ግብጻዊ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ
ሓድሽ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ነታ ጋንታ ንምምዕባል ዝክኣሎ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተመዘዘ ግብጻዊ ኮሓ ሓሺም ያኪን፡ ድሮ ናብ ኤርትራ ኣትዩ ኣሎ። ምስ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ዘመደ ተኽለ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ነታ ካብ ኣገዳሲ ውድድራት በዂራ ዝጸንሐት ጋንታ ብምውዳብ ንቕድሚት ክትግስግስ ኣብ ምግባር ክሰርሕ ምዃኑ ከም ዝገለጸ ኣብ መንግስታዊት ተለቪዢን ኤሪ-ቲቪ ዝቐረበ ጸብጻብ ይጠቅስ። ...
ኢትዮጵያ፡ ካብ ቱርክን እስራኤልን ብሓቂ ምስ መን እያ ዘላ?
ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ዝፈጥሮ ዘሎ ወጥሪ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰንኪ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ወጥሪ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። ኣብዚ ተራ ቱርኪን እስራኤልን እንታይ እዩ? ናይ ቀረባ መሓዛ ኢትዮጵያ ዝዀነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ባሕሪ ዘቕረበቶ ሕቶ "ትድግፍ" ምህላዋ'ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተቐርቀሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን እንታይ ይብሉ?
ብቐዳም 28 ለካቲት 2026 ዝጀመረ መጥቃዕቲ እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ስዒቡ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ምስ ተቐተለ፡ እቲ ረጽሚ ናብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ተዘርጊሑ ኣሎ። ኢራን፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ሚሳይላትን ድሮናትን ብምውንጫፍ ንእስራኤል፡ ባሕሬን፡ ኩዌት፡ ቐጠር፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ዮርዳኖስ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ቆጵሮስ፡ ኣዘርባዣንን ብመጻብቦ ሕርሙዝ ዝሓልፋ መራኽብን ዒላማ ብምግባር ነቲ መጥቃዕቲ ምላሽ ሂባ። ...
ኤርትራ፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም
ሰብመዚ ኤርትራ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝጸንሑ ሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ከምዝፈትሑ ምንጭታት ሓቢሮም። እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ዝተፈትሑ ልዕሊ 40 ዜጋታት ኣብቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከብ ወተሃደራዊ ቤትማእሰርቲ ማይ-ስርዋ ተታሒዞም ዝጸንሑ እዮም። ኣብዚ ቀረባ እዋን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣባላት ናይተን ዝተኣገዳ ኣብያተ-ክርስትያን ምፍትሖም ይዝከር። ...


























