ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ...
Latest releases
ኤርትራ፡ ንባጤራ ናቕፋ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ
ባንክ ኤርትራ፡ ኣብ ኢድ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ብዘይ ዓቐን ተታሒዙ ኣሎ ንዝበሎ ባጤራ ናቕፋ ብዝምልከት፡ ሰሉስ 30 ሰነ 2026 ጽኑዕ ሕጋዊ መተሓሳሰቢ ኣውጺኡ። እቲ ባንክ፡ ዝዀነ ይዅን ካብ ባንክ ወጻኢ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝርከብ ገንዘብ፡ ክሳዕ መወዳእታ ሓምለ ናብ ሕሳብ ባንክ ክኣቱ ግዜ ሂቡ ኣሎ። ባንክ ኤርትራ ኣብ መግለጺኡ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ይዅን ትካል፡ ሃገራዊ ባጤራ ናቕፋ ናይ ምጥቃም መሰል ጥራይ ከም ዘለዎ፣ ምስዚ መሰል እዚ ድማ ግቡኣት ምፍጻም ግዴታ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ። ...
ሊብያ፡ ንዜጋታት ኤርትራ ኢትዮጵያ ሱዳንን ሶማልን ዘውጽኣቶ ሓድሽ ኣዋጅ
ኣብ ምብራቕ ሊብያ ዝመደበሩ ካልኣይ መንግስቲ፡ ዜጋታት ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ዝኽልክል ሓድሽ ኣዋጅ ኣውጺኡ፡ ክብል ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ንሓደ መንግስታዊ ምንጪ ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ሮይተርስ፡ እዚ ውሳነ "ኣተኣትዋ ወጻእተኛታት ናብ ሊብያ ንምኽላስ" ዝዓለመ ምዃኑ የነጽር። እቲ ኣብታ ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ...
ጃልባ መሪሑ ንመትረብ እንግሊዝ ከም ዝሰገረ ዝተኸሰሰ ኤርትራዊ፡ ንዝቐረበሉ ክሲ ነጺጉ
ንእሽቶ ጃልባ ብምዝዋር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብመትረብ እንግሊዝ ሰጊርካ ብዝብል ዝተኸሰሰ ኤርትራዊ፡ ምስ ሕጊ ኢምግረይሽን ዝተኣሳሰሩ ንዝቕረብሉ ክልተ ገበናት ከም ዝነጸጎም ተገሊጹ። እዚ ኣብ ብራድፎርድ ዝነብር ዘሎ ወዲ 24 ዓመት እድሪስ ዓብዱ፡ ብሰኑይ 22 ሰነ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ከተማ ቀሪቡ ገበነኛ ከም ዘይኰነ ቃል ሂቡ። ዓብዱ ነቲ ኵሉ መስርሕ ቤት ፍርዲ ብሓገዝ ካብ-ናብ እንግሊዝ-ትግርኛ ዝትርጕመሉ ሰብ ዘካየዶ ኰይኑ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ነሓሰ ዝካየድ ሓድሽ መጋባእያ፡ ብዳኛ ኪርስቲ ዋትሰን ብዘይ ዝዀነ...
ብገበን ቅትለት ኣሜን ተኽላይ ክልተ ኰተቴታት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም
ኣብ ግላስጎው ኣሜን ዝስሙ ወዲ 15 ዓመት ብምቕታሎም ተኸሲሶም ዝነበሩ ክልተ ኰተቴታት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። እቶም ሕጂ ዕድመኦም 16ን 17ን ኰይኑ ዘሎ ክልተ ኣወዳት፡ ብ5 መጋቢት 2025 ኣብቲ ከተማ ኣብ ዝርከብ ከባቢ 'ሰይንት ጆርጅ ክሮስ' ንኣሜን ተኸላይ ከም ዘጥቅዑዎ ይሕበር። ዓቀብቲ ሕጊ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ግላስጎው፡...























