ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ 'ሚግ-23 እምበር ሚግ-21 ኣይነበረቶን'
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጽምብል ምስረታ መበል 90 ዓመት ሓይሊ ኣየር ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብስም ከይጠቐሰ፡ ኣብ "ሚግ-21 ደው ኢለን ዘለዋ ሃገራት..." ክብል ተሰሚዑ። እዚ ድማ ብቐጥታ ነታ ምስ ሃገሩ ኣብ ከቢድ ወጥሪ እትርከብ ኤርትራ ዘነጻጸረ እዩ ብምባል...
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ። ሓምሻይ ወለዶ ማለት፡ ዘመናዊ ናይ ውግእ ዓቕምን ምዕቡላት ኣጽዋራትን ዘጠቓልል...
ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኽበ ዕሉል ኤርትራዊ ኣሰጋጋሪ ዝለዓለ ፍርዲ ተቐቢሉ
ብጐነጻዊ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኽበ ኤርትራዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት 20 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝተፈርደ ማዕከናት ዜና ነዘርላንድስ (ሆላንድ) ሓቢረን። እቲ 'ወሊድ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ተወልደ ጐይትኦም መራሕቲ ናይ ሓደ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዙሕ ግፍዕታት ዝፈጸመ ዕስለ ኣሰጋገርቲ ምዃኑ'ዮም...
ኣብይ፡ ንኤርትራ ብስም ከይጠቐሰ 'ኣብ ግዜ ተዓኒዳ ዘላ ሃገር' ክብል ገሊጹ
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተሪር መጥቃዕቲ ቃላት ብምፍጻም፡ ክሳብ ሕጂ ነተን ግዜአን ዝሓለፈን ሚግ-21 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ እትውንን ሃገር ምዃና ብምግላጽ፡ ነታ ዝተራቐቓ SU-30 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ዝዓጠቐት ሃገሩ ክትደፍር ክትሓስብ...
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ደጋጊሙ ዘልዕሎ 'ዝሑል ኲናት' እንታይ እዩ?
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዘካይዶ ቃለመሕትት ይዅን ወግዓዊ መደረታት፡ ንዝሑል ኲናት መእተዊ ክገብር፣ ወይ ንህሉው ዓለማዊ ኰነ ዞባዊ ፖለቲካዊ ዳይናሚክስ ኣተኣሳሲሩ ክዛረብ ብቐጻሊ እዩ ዝስማዕ። እዚ ዝሑል ኲናት ግን እንታይ እዩ? ብዛዕባኡኸ ማዕረ ክንደይ ኢና ንፈልጥ? መብዛሕትና ኣብ እዋን ዝሑል...
ኤርትራ፡ ኵነታት ትምህርትን ሽመት ሓዳስ ምኒስተርን
ስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ከም ዘድልዮ ኣብ ዝግለጸሉ እዋን፡ ዶ/ር ሓሊማ መሓመድ ምኒስተር ኰይና ከም ዝተመዘዘት ተረጋጊጹ። እዚ ሽመት ዶ/ር ሓሊማ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክስማዕ ድሕሪ ምቕናዩ፡ ብመንገዲ ኣወሃሃዲት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ብዝወጽአ ሓበሬታ እዩ ወግዓዊነቱ...
ንመንግስቲ ኤርትራ ዘቘጥዐ ትንተና ኣስመራ ዝበጽሐ ወጻእተኛ
ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ወጻእተኛ ተመራማሪን ክኢላን ዓለምለኻዊ ዝምድናታትን ፖለቲካን ናብ ኤርትራ በጺሑ ነይሩ። ካብታ ሃገር ምስ ተመልሰ ዘውጽኦ ንትዕዝብትታቱ ዘጠቓለለ ትንተና ግን ንሰብመዚ ኤርትራ ኣቘጢዑ ኣሎ። ዶ/ር ዊልያም ጎርላይ ኣብ ሓደ ናጻ ማዕከን ዜና ዘስፈሮ ጽሑፍ ብቐንዱ ናብቲ ኣብ "ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንጸላልዩ ዘሎ ደበና ኲናት"...
ኤርትራ፡ 'ኢትዮጵያ ተቕርቦ ዘላ ክሲ ምስግጋር ኣጽዋር፡ መመኽነይታ ንኲናት እዩ'
መንግስቲ ኤርትራ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ናብቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ብምቕባል ዘቕረቦ ክሲ ሓሶት ምዃኑ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክጅምሮ ዝደሊ ዘሎ ኲናት ንመመሳመሲ ዘቕርቦ ዘሎ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ። እቲ ብ14 ጥሪ ዝወጸ መግለጺ ፈደራል...
ኢትዮጵያ ንኤርትራን ህወሓትን ጠያይት ናብ ፋኖ ብምስግጋር ከሲሳ - ዝተዋህበ ምላሽ ከ?
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ናብቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ብምቕባል ከሲሱ። እቲ ብ14 ጥሪ ዝወጸ መግለጺ ፈደራል ፖሊስ ከም ዝመልክቶ፡ "ምስ ውሽጣውያን ጕጅለታትን ታሪኻውያን ጸላእቲ ብምትሕብባር" ካብ ኤርትራ ዝተላእከ ምዃኑ ዝገለጾ ኣስታት 56ሽሕ ጠያይት ከም ዝሓዘ...
ዳንካልያ ንመሸጣ ኣይወረደትን — ክትከላኸለላ ዝግባእ መሬት’ያ
ደንካልያ ኣብ ካርታ እትርከብ ዞባ ጥራሕ ኣይኮነትን፤ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝተቐርጸት ህያው ዝኽሪ ኮይና፡ ንፋስ ካብ ዶባት ዝዓበዩ ዛንታታት ዝተሰከመት፡ ህዝቢ ዓፋር ንዘመናት...
ሽወደን፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ ምወላ መንግስቲ ተኸልኪላ
ኣብ ሽወደን ዝመደበራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ መንግስቲ ሽወደን ምውላ ከምዘይትረክብ ተገሊጹ። ሃገራዊ ትካል ጸጥታ ሽወደን፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ከምዘለዋን፡ እዚ ድማ ኣብ ሽወደን መሰረታዊ መሰላት ናይ ምግሃስ ሓደጋ ከምዘለዎን ድሕሪ ምጥንቃቑ'ዩ ሰብመዚ ነዚ ውሳነ...
ኤርትራ፡ ናብ ቅድመ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027 ተመሊሳ
ኤርትራ ብፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ዓለም - ፊፋ፡ ኣብ ደረጃ ሃገራት ዘይተሰርዐት'ኳ እንተኾነት ኣብ ቅድመ መጻረዪ ውድድራት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2027 (ኣፍኮን) ክትሳተፍ ምዃና ግን ተፈሊጡ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 2025 ኣብ ዝተዘርግሐ፡ ዓመታዊ ዝወጽእ ደረጃ ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ዘመልክት...





















