ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ደረጃ 'ትሑት ሰላም' ዘለወን ሃገራት ተሰሪዐን
ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ ዝርዝር ትሑት ሰላም ዘለወን ሃገራት ከም ዝተሰርዓ ግሎባል ፒስ ኢንዴክስ ኣመልኪቱ። ግሎባል ፒስ ኢንዴክስ (ጂፒኣይ) ኵነታት ሰላም 163 ሃገራት ዓለም ኣብ ዝገምገመሉ ጸብጻብ ዓመተ...
መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢጣልያ ዝኸተሞ ውዕል፡ ንወፍሪ ተዳልዩ ከም ዘሎ ዘርኢ ድዩ?
ኣብ ለካቲት 2024 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳመይቲ ምኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒን ኣብ ሮማ ድሕሪ ዝካየዱዎ ምርድዳእ፡ ብ29 ሓምለ 2025 ንልኡኽ ኢጣልያ መሪሑ ናብ ኤርትራ ዝተጓዕዘ ምኒስተር ሕርሻ፡ ልኡላውነት መግብን ሃብቲ ገረብን ፍራንቸስኮ ሎሎብሪጋዲ ምስ ምኒስተር ንግድን...
ልዕሊ ዓቐን ስደተኛታት ኣብ ዝፀዓነት ጃልባ ሰለስተ ኣሓት ሞይተን ተረኺበን
ሰለስተ ሱዳናውያን ኣሓት ብሓንቲ ልዕሊ ዓቐን ዝፀዓነት ንእሽተይ ጃልባ ስደተኛታት፡ ብማእከላይ [መዲትራንያን] ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ኣብ ዝሰግራሉ ዝነበራ እዋን ሞይተን ከም ዝተረኸባ ትካል ገባሪ ሰናይ ጀርመን ብሰንበት ኣፍሊጡ። እተን ካብታ ብኲናት ዝተሃሰየት ሱዳን ዝተበገሳ ሰለስተ ኣሓት ዕድመአን 9፣ 11 ን 17...
ኤምባሲ ኤርትራ፡ መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ክፍትሑ ንዝጽውዕ ጥርዓን ኣይቅበልን ኢሉ
ተጣበቕቲ ምግሃስ ሃይማኖታዊ ናጽነት ብዓርቢ 22 ነሓሰ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ዋሽንግተን ዲሲ ተረኺቦም ድሕሪ ዘካየዱዎ ሰለማዊ ሰልፊ፡ እቶም ንልዕሊ 20 ዓመታት ብዘይ ክሲ ተመቚሖም ዝርከቡ ሸውዓተ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ክፍትሑ ዝጽውዕ ጥርዓን ነቲ ኤምባሲ ክህቡዎ ኣብ ዝፈተንሉ ምቕባል ከም ዝኣበዩዎም...
ስደተኛታት ናብ ኤርትራን ኣፍጋኒስታንን ክመልስ ዝደሊ ተቓዋሚ ሰልፊ ዓባይ ብሪጣንያ
ሰልፊ ጽገና ዓባይ ብሪጣንያ ብንኣሽቱ ጀላቡ ተሳፊሮም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዝኣትዉ ሓተቲ ዕቝባ ብጅምላ ክጥረዙ ከም ዝገብር ቃል ኣትዩ። መራሒ እቲ ሰልፊ - ኒጀል ፋራጅ ንዘ-ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሰፊሕ ቅልውላው ከም ዘሎን እዚ ድማ ንሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ህዝባዊ ዕግርግር...
ኤርትራ፡ እሱራት መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ክፍትሑ ዝጠልብ ዓለምለኻዊ መደብ ክካየድ እዩ
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ክርስትና ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ክፍትሑ ዝጽውዕ ሰልፍታትን ጸሎትን ክካየድ ን22 ነሓሰ ይጽውዓ ኣለዋ። እቶም ኣቕሽሽትን ፓስተራትን ኣባላት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶን ወንጌላውያንን ኰይኖም፡ ንልዕሊ...
ስደት ኣብ ስደት፡ ብኸመይ ትዕወት? ኤርትራዊ ሮቤል ተመኵሮኡ የዘንቱ
ሓያለ ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ኣብታ 'ኣደ ድኻን ስደተኛን' ብምባል ዝገልጽዋ፡ ብዂናት ሓድሕድ ትሕመስ ዘላ ሱዳን ተሰዲዶም፡ ክሰርሑ፡ ክመሃሩን ዝሓሸ ዕድልን ኣማራጺታት ክህባና ይኸእላ እየን ናብ ዝበልወን ሃገራት ንምስጋር ንመስርሕ ቪዛ ክጽበዩን ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ። ክልተ ዓመቱ ዘሕለፈ ኲናት ሓድሕድ...
ኒውካስል፡ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ናብ መሳርዓ ዝምለሰሉ ዕድል ግን ኣሎ ድዩ?
እታ ብዘይ እቲ ናብ ሊቨርፑል ክኸይድ ኣለኒ ኢሉ ሓንጊዱ ዘሎ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣንጻር ኣስቶንቪላ ዝተጋጠመት ኒውካስል ኣብ መኸፈቲ ጸወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ 2025/2026 ብዘይሸቶ ማዕረ ምፍልላያ ደገፍታ ኣእዳዎም ናብ አሌክሳንደር ኢሳቕ ከወጣውጡ ቀሲብዎም ኣሎ። ...
ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ብርቱዕ ውሕጅ ዘስዓቦ ዕልቕልቕን ዛሕልን ክህሉ ትጽቢት ከም ዝግበር ተገሊጹ
ኣብ መላእ ክፋላት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብርቱዕ ዝናብ ክዘንብ ትጽቢት ከም ዝግበርን ገለ ቦታታት ድማ ልዑል ሓደጋ ውሕጅ ከም ዘጋጥሞምን ማእከል ትንበያን ኣተገባብራን ክሊማ ኢጋድ ሰሙናዊ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ። እቲ ዝለዓለ ዝናብ ልዕሊ 200 ሚ.ሜ ዝበጽሕ ኰይኑ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ማእከላይን ሰሜንን...
'ሞት ወደይ ብማሕበራዊ ሚድያ እየ ተረዲአ' - ወዳ ተጨውዩ ዝተቐትላ ኣደ
ኣብ መወዳእታ ሓምለ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ እንዳባጉና ዘሰንበደ ሓደ ዘሕዝን ክስተት ተፈጺሙ ነይሩ። ወዲ 7 ዓመት ቈልዓ ጨውዮም ንወላዲቱ ገንዘብ ሓቲቶም፣ እቲ ገንዘብ ምስ ተቐበሉ ድማ ንውሉዳ ቀቲሎም ኣብ ቢንቶ ደርብዮሞ ከይዶም። ጓል 32 ዓመት ዮርዳኖስ ጋይም ኣደ ክልተ ቈልዑ...
ትግራይ፡ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ምፍታሕ ዕጥቂ ዝምልከት ሓደስቲ ምዕባለታት እንታይ እዩ?
ካብ ቀንዲ ኣዕኑድ ውዕል ፕሪቶርያ ሓደ ምፍታሕ ዕጠቂ ዀይኑ፡ እቶም ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ዕጡቓትን ሓይልታት ደገን ካብ ክልል ትግራይ እንትወፅኡ፡ 'ማዕረ ማዕረኡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ክፈትሑ ኣለዎም' ዝብል እዩ። ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ኣንፃር ሓይልታት...
ኤርትራውያን ንምንታይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ኒውካስል ክጸንሕ ይደልዩ?
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ናብ ኒውካስል ዩናትይድ ድሕሪ ምጽንባሩ፡ ኣብ ዓወት እታ ክለብ ወሳኒ ቦታ'ኳ እንተ ሓዘ፡ ኣብታ ከተማ እናሰሰነ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ግን ጽልዋኡ ክንዮው ኩዕሶ ዝኸደ እዩ። ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ወዲ ዓዶም ኣብ ዓቢይ ዓለማዊ መድረኽ ኩዕሶ እግሪ...




















