ጀርመን፡ ዝተረኽበ ሽክና ርእሲ ናይታ ጓል 32 ዓመት ኤርትራዊት ምዃኑ ተረጋጊጹ
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተረኽበ ርእሲ ናይታ ብዘስካክሕ ኣገባብ ዝተቐትለት ኤርትራዊት ምዃኑ ከምዝተረጋገጸ ሰብመዚ ጀርመን ኣፍሊጦም። ፖሊስ ከተማ ቦን ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መብርሂ፡ እቲ ብ11 ሚያዝያ ዝተረኽበ ሽክና ብክኢላታት ናይ ናይ 'ዲ-ኤን-ኤ- መርመራ ከምዝተገብረሉ ሓቢሮም። "እቲ ብ11 ሚያዝያ 2026 ኣብ ምምሕዳር ቨንደን፡ ወረዳ ኦልፐ፡ ኣብ እዋን ወፈራ ጽርየት ኣብ ሓደ...
ኤርትራዊ ሰመረ ገብረእግዚኣብሄር ድሕሪ ነዊሕ ማእሰርቲ ካብ ቀይዲ ኢሚግሬሽን ኣሜሪካ ወጺኡ
ናብ ኤርትራ ክጥረዝ ብሰብ መዚ ኢሚግሬሽን ኣመሪካ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ሰመረ ገብረእግዚኣብሄር ድሕሪ ነዊሕ ሕጋዊ መስርሕ ካብ ማእሰርቲ ኢሚግሬሽን ኣሜሪካ ከም ዝተፈትሐ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣረጋጊጾም።
ኤርትራ፡ ኣመሪካ መዲባቶ ዘላ ሓድሽ ስትራተጅያዊ ኣጠማምታ እንታይ እዩ?
ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዓመታት ዝጸዓነቶ እገዳ ከተልዕን ነቲ ዝሕቱል ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአ ዳግም-ከተሐድስን ትንቀሳቐስ ከም ዘላ፡ ማዕከን ሓበሬታ ዎል-ስትሪት-ጆርናል፡ ብ22 ምያዝያ ኣብ ዝዘርግሖ ሓተታ ኣመልኪቱ።
ኤርትራ-ኣመሪካ፡ 'እገዳ ክለዓልን ዝምድናኣ ክሕደስን' ስትራተጅያዊ ውሳነ
ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዓመታት ዝጸዓነቶ እገዳ ከተልዕን ነቲ ዝሕቱል ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአ ዳግም-ከተሐድስን ትንቀሳቐስ ከም ዘላ፡ ማዕከን ሓበሬታ ዎል-ስትሪት-ጆርናል፡ ብ22 ምያዝያ ኣብ ዝዘርግሖ ሓተታ ኣመልኪቱ።
ብኢማራት ዝምወሉ ዕሱባት ኣብ ሱዳን ዝገበርዎ ዘቃልዕ ሓድሽ ጸብጻብ
ንጉዳይ ሱዳን ኣመልኪቱ ካብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዝተዘርግሐ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ብኢማራት ዝምወል መርበብ ዕሱባት ኮሎምቢያውያን፡ ኣብ ጐድኒ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ተሰሊፎም ንከተማ ኣልፋሸር ንምቍጽጻር ምሕጋዞም ከምዘረጋገጸ የቃልዕ። እቲ 'ኮንፍሊክት ኢንሳይትስ ግሩፕ' (CIG) ዝጽዋዕ ትካል ትንታነ ጉዳያት ጸጥታ፡ ዘካየዶ መርመራ፡ እቶም ኮሎምቢያውያን ዝጥቀሙለን ንዝነበሩ ሞባይል ተሌፎናት...
ሓድሽ ጸብጻብ ኣምነስቲ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንታይ ይብል?
ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብቲ ን144 ሃገራት ዝዳህሰሰ መበል 65 ዓመታዊ ጸብጻቡ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣዝዩ ዘሰክፍ ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ።
ዘይተፈትሐ ግድል ቅትለት ኤርትራዊት: ሰብመዚ ጀርመን ንቢቢሲ ትግርኛ ዝሃብዎ መብርሂ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተረኽበ ሽክና ርእሰኪ ናይታ ብዘስካክሕ ኣገባብ ዝተቐትለት ኤርትራዊት ምዃኑን ዘይምዃኑን ምርግጋጽ መርመራ ይቕጽል ከምዘሎ ሰብመዚ ፖሊስ ጀርመን ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሮም። "እዚ መርመራታት እዚ ኣይተወድአን ዘሎ፡ ስለዚ ኣብዚ እዋን'ዚ ዝኾነ ውጽኢት የለን" ክብል ሓላፊ ኢንስፐክተር ፖሊስ ኣብ ዞባ ኖርድርሄን-ዌስትፋለን ቲኖ ሻፈር ብኢሜል ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ኣብሪሁ። ንሓፈሻዊ...
ኤርትራ፡ ፕሮጀክት ምምካት ደርቂ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ 'ዘመዝገቦ ዓወት'
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኤርትራ ደርቂ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ንምዕባይን ዕድላት ስራሕ ንምፍጣርን ዝዓለመ ፕሮጀክት (DRSLP V) ብዝተዓጻጸፈ መንገዲ ይሰላሰል ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።እዚ ፕሮጀክት'ዚ፡ ኣካል ናይቲ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ "ንዓመታት ዘካየዶ" ስትራተጅያዊ ስራሓት ሕርሻን ትሕተ-ቅርጽን ኰይኑ፡ ነቲ ተደጋጋሚ ዝኽሰት ዘሎ ጽልዋ...
ኤርትራ፡ መንገዲ ኣየር ኢትሓድ ካብን ናብን ኣስመራ ሓድሽ መስመር በረራ ከፊቱ
መንገዲ ኣየር ኢትሓድ፡ መስመራት ኣቭየሽን ኣፍሪቃ ዳግማይ ንምሕዳስን ንምስፋሕን ኣብ ዝሓንጸጾ ስትራተጅያዊ ውጥን፡ ንኣስመራ፡ ካብ 7 ሕዳር 2026 ጀሚሩ ቀጥታዊ በረራታት ከም ዝጅምር ብወግዒ ኣፍሊጡ። እዚ...
ኤርትራ፡ ንሓራምዝ ዘስግእ ዘሎ ሓድሽ ናይ ዘርኢ ጸገም
ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ሓራምዝ ዝተገብረ ዓቢ ናይ ዘርኢ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ንበይኖም ተነጺሎም ዝርከቡ ሒደት ሓራምዝ፡ ብሰንኪ ምስ ከምኦም ዘርኢ ጥራሕ ምውሳቦም ንጥዕናኦም ዝሃሲ ናይ ዘርኢ ጸገማት የጋጥሞም ኣሎ።
ምላሽ ኤርትራ ንመግለጺታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢን ጀነራል ጻድቃንን
መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝደጋግምዎ ዘለዉ ምጉት ኣፍደገ-ባሕሪ ዘይሕጋዊን ቶኽታዂን እዩ ክትብል ኤርትራ ተቓውሞኣ ገሊጻ። ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ሎሚ ብኤክስ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ንመራሒ ናይቲ "ፖተምኪን"...
ጀርመን፡ ዘይተፈትሐ ግድል ቅትለት ኤርትራዊት ኣደን ተረኺቡ ዘሎ ሽክና ርእስን
ናይታ ብዘስካክሕ ኣገባብ ዝተቐትለት ኤርትራዊት ስደተኛ ከይኮነ ኣይተርፍን ዝብሃል ዘሎ ሽክና ርእሲ ከምዝተረኽበ ሰብመዚ ጸጥታ ጀርመን ኣፍሊጦም። እቲ ኣካል ኣብ ከባቢ ከተማ ኦልፐ ኣብ ዝርከብ ቨልደን ዝተባህለ ቦታ'ዩ ጓሓፍ ክእክቡ ብዝተፋወሩ ክልተ ሰባት ተረኺቡ ዘሎ። ፖሊስ ሃገንን ኣኽበርቲ ሕጊ ዞባ ሴገንን ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ "እቲ ሽክና ናይታ ጓል 32 ዓመት...





















