'ነብሰይ ከድሕን ቀልጢፈ መስሊመ' - ውጻእ መዓት ሊብያ ኤርትራዊት ሳሮን ጌታቸው
ካብ ኤርትራ ክሳዕ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ዝግበር ሓደገኛ ጕዕዞ ተጓዒዛቶ፣ እቲ ኣብ መንገዲ ዘጓንፍ መሪር ስቓይ'ውን ተሰኪማቶ። ጸይራቶ ግና ስቕ ክትብል ኣይመረጸትን ብመጽሓፍ ጽሒፋቶ - ሳሮን ጌታቸው። "Kidnapped in Libya" (ኣብ ሊብያ ተጨውየ) ዝሰመየታ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ሊብያ ንምጻሩ ዝኸብድ ተመኵሮ ዘሕለፉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እትትርኽ መጽሓፍ እያ። እዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ እቶም ዝሓሸ ህይወት...
Latest releases
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ክጅምር እዩ
ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ካብ ዝመጽእ ሰሉስ 14 ግንቦት 2024 ኣትሒዙ ስሩዕ ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ብመገዲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ እቲ ብመሰረት ዓንቀጽ 243[d] ሕጊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን እታ ሃገር ኣብ ሰበስልጣን ዝዀኑ ዜጋታት ኤርትራ ጸኒዑ ዝጸንሐ ገደብ ቪዛ ግን ኣብ ቦታኡ ከም ዘሎ...
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ንጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ይነጽግ
ዋሽንግተን —ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ነቲ ብ22 ሚያዝያ ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝወጽአ ዓመታዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት፡ “ኣብ ኣገባብ ኣተኣኻኽባኡ ስሕተት ዘለዎን ፖለቲካዊ ዕላማ ዝመንቀሊኡን” ክብል ኣትሪሩ ነጺጉዎ።
03 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ብደረጃ ዓለም ይዝከር
ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ሎሚ ዓርቢ 3 ግንቦት ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ።እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝዝከር ዘሎ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ዓለም፣ ህዝቢ ሓሳቡ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ተሓሪሙ ምህላዉ ኣጉሊሑ።
ስዊዘርላንድ፣ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝምለስሉ እማመ ዳግም ቀሪቡ
ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ባይቶ ስዊዘርላንድ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝምለስሉ እማመ ቀሪቡ።