'ነብሰይ ከድሕን ቀልጢፈ መስሊመ' - ውጻእ መዓት ሊብያ ኤርትራዊት ሳሮን ጌታቸው
ካብ ኤርትራ ክሳዕ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ዝግበር ሓደገኛ ጕዕዞ ተጓዒዛቶ፣ እቲ ኣብ መንገዲ ዘጓንፍ መሪር ስቓይ'ውን ተሰኪማቶ። ጸይራቶ ግና ስቕ ክትብል ኣይመረጸትን ብመጽሓፍ ጽሒፋቶ - ሳሮን ጌታቸው። "Kidnapped in Libya" (ኣብ ሊብያ ተጨውየ) ዝሰመየታ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ሊብያ ንምጻሩ ዝኸብድ ተመኵሮ ዘሕለፉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እትትርኽ መጽሓፍ እያ። እዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ እቶም ዝሓሸ ህይወት...
Latest releases
ዝኽሪ መበል ሳላሳን ሰለስተን ዓመት ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ
ኤርትራ ሃገርና ልዑላውትን ናጻን ሃገር ካብ እትኸውን፡ እንሆ ሳላሳን ኣርባዕተን ሕስመ ዓመታት ኣቊጽራ ኣላ። ብክቡር ኩሉ ዓይነት መሪር መስዋእቲ፣ ሕሱም ስቃይ ስደት፣ ዛራ ንብዓት ጠዋሪ ዝሰኣኑ ወለድን ኣባዲ ዝተሓረሙ ዝኽታማት ህጻናትን ዝተገዝመት ኤርትራ፡ ህዝባ ብድሕሪ ናጽነት ዝዓጸዶ ኩሉ ዓይነት ሓሳረ መከራ ጸብጽብካ ነይውዳእ።
ታሪኽ 17 ሰነ 1876፡ ቅንጸላ ሚስዮናውያን ኣብ ዓዲ ቖንጺ
እቲ ዘበን፡ ደግያት ሃይሉን ራእሲ ወልደሚካኤልን ኣብ ሓይል ውድድር ዝተጸምድሉ፡ ሃጸይ ቴድሮስን ዮውሃንስን ንመረብ-ምላሽ ንምግዛእ ዝቆራቖሱሉ፡ ግብጻውያን ገዛእቲ ነቲ ጉዳይ ክምዝምዙ፡ ዉግእ ወኪ-ዱባ ኣብ ጥርዚ ዝበጽሓሉ እዋን እዩ ነይሩ።
ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ዓወት ወ/ገብርኤል ኣብ ፋሽን ክዳውንቲ ኣመሪካ ስሙ ሕላገት ዝገድፍ ዘሎ መንእሰይ
ዋሽንግተን —ኣብ ኣዲስ ኣባበ ተወሊዱ ብንእሽቶኡ ናብ ኣመሪካ ዝመጽአ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ዓወት ወልደገብሪኤል፡ ኣብ ዓውዲ ፋሽን ኒውዮርክ ስሙ ዘድምቕ ዘሎ መንእሰይ’ዩ።
20 ሰነ: መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር
20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር ኣላ።