From refugee camp to RAAF excellence
From refugee to earning a master’s degree in business administration, Able Seaman Naffissa Mohamed has been on quite the journey. Fleeing Eritrea at the age of seven, she embarked on a testing...
Latest releases
ኤርትራን ግብጺን፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘየሎዋ ሃገራት ተሳትፎ ከም ዘይህልወን ተሰማሚዐን
ግብጽን ኤርትራን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘይዳወባ ሃገራት ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ ዝዀነ ይዅን ተሳትፎ ከይህልወን ከም ዝተሰማምዓ ማዕከናት ዜና ግብጺ ገሊጸን። ነዚ ዝገለጻ፡ ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ካይሮ ተረኺቡ፡ ምስ ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ባድር ዓብደላትን ድሕሪ ዝገበሮ ክልተኣዊ ርክብ እዩ። ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ግብጺ መሓመድ ኣል ሸናዊ፡ እዚ ርክብ፡ ሰላምን ምርግጋእን ሱዳን ናብ ንቡር ንምምላስ፣ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ...
ዘገርም ዛንታ ቀሺ ማርቆስ ግርማይ
ዘመኑ፡ ዘመን ቍርቍስ ደብረ-ቢዘንን ጸዓዘጋን ነበረ ክበሃል ይከኣል። ደብረ-ቢዘን ማእከል ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ብምንባሩ ንህዝቢ ክርስትያን ከበሳ ብምውካል፡ ነቲ ምስዮናውያን ዘርኣይዎ ዉቕዮ (achievement) ብምምካት ተቓውሞኡ ዘልዓልሉ ዘመን ነበረ። ኣብቲ ቍርቍስ'ቲ ድማ ጣልያን፡ ከም ሓደስቲ ገዛእቲ መጠን፡ ኢድ ነበሮም። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ቀሺ ማርቆስ ግርማይ ብጎቦ-ጎቦ ኣብቲ ጉዳይ ተጸንበሩ - ጓልና ወሲድኩም ተባሂሎም ስለ ዝተኸሰሱ ኣብ ነገር ኣተዉ። ኣብ ኤርትራስ ዘይተነግረ'ምበር ዘይተገብረስ...
ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምርካብ ናይ ህልውና ስግኣት'ዩ ምባል 'ሓደገኛ ሃቐነ' ዘለዎ'ዩ - ኤርትራ
ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምውናን ከም ናይ 'ህልውና ስግኣት' ጌርካ ምውሳድ "ሓደገኛ ሃቐነ" ዘለዎ ምዃኑ ኤርትራ ገሊጻ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብሓሙስ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያውያን ናይ ህልዉና ጉዳይ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ብወገን ኣስመራ ሎሚ ኣብ ዝወጸ ቀጥታዊ ግብረመልሲ ዝመስል ሓጺር መግለጺ፡ ርእይቶ ኣቢይ "ዝተጋነነ" እዩ ይብል። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ናይ ህላወ ሓደጋ...
ስዑዲ ዓረብን ኢትዮጵያን ኣብ ህሉው ዞባዊ ኩነታት ተመያይጠን
ብምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ዋሊድ ዓብደልከሪም ኣልኸረይጂ ዝምራሕ ላዕለኣይ ልኡኽ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ኣካይዱ።እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ፣ ብረቡዕ 19 መጋቢት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ጊዶዎን ጢሜቴዎስን ብምርኻብ ዘትዩ። ዕላማ እቲ ዑደት፣ ኣብ ክልታውን ዞባዊን ጉዳያት...