'ነብሰይ ከድሕን ቀልጢፈ መስሊመ' - ውጻእ መዓት ሊብያ ኤርትራዊት ሳሮን ጌታቸው
ካብ ኤርትራ ክሳዕ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ዝግበር ሓደገኛ ጕዕዞ ተጓዒዛቶ፣ እቲ ኣብ መንገዲ ዘጓንፍ መሪር ስቓይ'ውን ተሰኪማቶ። ጸይራቶ ግና ስቕ ክትብል ኣይመረጸትን ብመጽሓፍ ጽሒፋቶ - ሳሮን ጌታቸው። "Kidnapped in Libya" (ኣብ ሊብያ ተጨውየ) ዝሰመየታ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ሊብያ ንምጻሩ ዝኸብድ ተመኵሮ ዘሕለፉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እትትርኽ መጽሓፍ እያ። እዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ እቶም ዝሓሸ ህይወት...
Latest releases
ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዝነገሱሉ ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ
ኣብዚ ካብ 9 ክሳብ 13 ጥቅምቲ ኣብ ኬንያ ከተማ ኤልዶረትን ኢተንን ክካይድ ዝቐነየ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2024፡ ኤርትራ ኣብቲ ጸወታ 7 ወርቂ፡ 5 ብሩር 4 ነሓስ ብምርካብ ብድምር 16 መዳልያታት ብምውህላል ብብዝሒ መዳልያታት ቀዳመይቲ ብምዃን ነቲ ውድድር ዛዚማቶ።ደቡብ ኣፍሪቃ ንኤርትራ ተኸቲላ 3 ወርቂ 4 ብሩር፡ 1 ነሓስን ብድምር 8 መዳልያ ኣዋህሊላ፡ ኡጋንዳ ኸኣ 2 ወርቂ፡ 2 ብሩር 1 ነሓስ ብድመር 5 መዳልያ። ኢትዮጵያ ኸኣ 3 ነሓስ...
ፈላሚ ምብጻሕ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፋታሕ ኣል-ሲሲ ናብ ኤርትራ
ንፈለማ እዋን ናብ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ ሎሚ ንግሆ ኣስመራ ኣትዩ። ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኤል-ሲሲን ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ዝሓቖፈ ልኡኹን፤ ሓላፊ ካቢነ ሚኒስተራት ፕረዚደንት፤ ከምኡ’ውን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሓቢሮም ተጓዒዞም ኣለው። ፕረዚደንት ኣልሲሲ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸክ ማሕሙድ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ስራሕ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን እዩ ንኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ። ...
ኣስመራ፡ ስምምዕ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ግብጺ፡ ሶማልያን ኤርትራን
መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ብሓሙስ 10 ጥቅምቲ ኣብዘካየድዎ ስሉሳዊ ዋዕላ ብዛዕባ ሶማልያ፡ ሱዳንን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ተዘራሪቦም።ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ሃገር ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ግብጻዊ ፕረዚደንት ዓብደል-ፋታሕ ኣል-ሲሲ፡ ሶማላዊ መዘናኡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ንክልቲኦም ዘንግድ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን "ዞባዊ ምርግጋእ ንምስፋን ዘካይድዎ ጻዕርታት ንምውህሃድ ተሰማሚዖም"። ብረቡዕ ናብ ኣስመራ ዝኣተወ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ደገፍ...
ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ቅርሲ ሃገራዊ ስነጥበብ ኤርትራ
በሃር ኤርትራዊ ስነጥበባዊ ዑስማን ዓብደልረሒም ኣብ መበል 76 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ሽወደን ከም ዝዓረፈ ዝዝከር እዩ።ዑስማን ኣብ ምዝማን ሙዚቃ ኤርትራ ዓቢ ተራ ካብ ዝተጻወቱ ፍቱዋት ድምጻውያን ሓደ እዩ። ኣብ 60ታት 70ታት፡ ማሕበራውን ሃገራውን ትሕዝቶ ዘለዎም ደርፍታቱ ኣብ ኵሉ መዳያት ዓሚቝ ስምዒት ቀስቂሶም እዮም። 16 ዓመት ኣብ ዘይመልአ ዕድመኡ፡ ኣብቲ ንፈለማ እዋን...