'ነብሰይ ከድሕን ቀልጢፈ መስሊመ' - ውጻእ መዓት ሊብያ ኤርትራዊት ሳሮን ጌታቸው
ካብ ኤርትራ ክሳዕ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ዝግበር ሓደገኛ ጕዕዞ ተጓዒዛቶ፣ እቲ ኣብ መንገዲ ዘጓንፍ መሪር ስቓይ'ውን ተሰኪማቶ። ጸይራቶ ግና ስቕ ክትብል ኣይመረጸትን ብመጽሓፍ ጽሒፋቶ - ሳሮን ጌታቸው። "Kidnapped in Libya" (ኣብ ሊብያ ተጨውየ) ዝሰመየታ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ሊብያ ንምጻሩ ዝኸብድ ተመኵሮ ዘሕለፉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እትትርኽ መጽሓፍ እያ። እዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ እቶም ዝሓሸ ህይወት...
Latest releases
ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ታሪኽ ዝሰርሐ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብቲ ድሙቕ ኣቐባብላ እንታይ ኢሉ?
ኣብቲ ንመበል 111 ግዜ ዝተኻየደ ዙር ፈረንሳ 2024 ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ዕዉት ቀጠልያ ማልያ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሐ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ኣስመራ ድሙቕ ኣቐባብላ ተገይርሉ። ቢንያም ግርማይ ድሕሪ ዙር ፈረንሳ ኣብ ኦሎምፒክ ድሕሪ ምውድዳር’ዩ ትማሊ ምሸት ናብ ሃገሩ ኣትዩ።
ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ ውድድር ምሕንባስ ኦሎምፒክ ፓሪስ ዝተሳተፈ ኣሮን ገብረ ተመክርኡ የካፍል
ዋሽንግተን —ኣሮን ገብረ ኦዉሱ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ብናይ 50ሜትር ፍሪስታይ(Freestyle) ናይ ምሕንባስ ውድድር ንኤርትራ ወኪሉ ተወዳዲሩ ራብዓይ ደረጃ ብምርካብ ድማ ውድድሩ ዛዚሙ።
ተደራራቢ ሕማምን ባህሊን ዘይዓገታ ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ቅርጺ ሰብነት - ስምረት ርእሶም
ውረድ ደይብ ዝምልኦ ጕዕዞ ሂወት እያ ኣሕሊፋ። እታ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብሰንኪ ጸገማት ጥዕና፡ ክሳብ ምስ ምስ ሞት ተፋጢጥጣ ብእምነትን ሓቦን፡ ንዅሉ ሰጊራ እያ ሕልምታታት ዘግሃደት።
‘ኤርትራ፣ ዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ንዝሓዘቶ መርገጺ፣ ኣድናቖትና ንገልጽ’ ፕረዚደንት ኢራን
እስራኤል ኣብ ቓዛ ኵናት ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን፣ ኤርትራ ንዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ሒዛቶ ዘላ መርገጺ፣ ኢራን ኣድናቖታ ከምእትገልጽ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር መስዑድ ፐዘሽኪያን ገሊጹ።