ስዊዘርላንድ፡ ኤርትራውያን ናብ ቤትፍርዲ ዝጠርዕሉ ጉዳይ እንታይ'ዩ?
ቤትፍርዲ ስዊዘርላንድ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ገለ የማናውያን ፖለቲከኛታት ንዘቕረብዎ ክሲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ውሳነ ሂቡሉ ነይሩ። እቲ ኣብ ከተማ ሉዛን ቅድሚ ሓያለ ዓመታት ዝቐረበ ክሲ ምስ ጽልኢን ሓርነት ሓሳብካ ምግላጽን ዝተሓሓዝ'ዩ። ኣብ 2019፡ የማናዊ ሰልፊ ኤስ-ፒ-ቪ (ሸPV)፡ ኤትራውያን ኣብ ጸጥታ እታ ሃገር ስግኣት ከስዕቡ ስለዝኽእሉ ዑቕባ ክረኽቡ የብሎምን ክብል ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ መበገሲ ናይቲ ጉዳይ ምዃኑ'ዮም ተሓለቕቲ...
Latest releases
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ፕረዚደንት ዢንፒን ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ተገሊጹ
ፕረዚደት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ መዘናኡ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒን ሎሚ ሰኑይ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ማዕከናት እታ ሃገር ኣቃሊሓን። ኣብቲ ርክብ ፕረዚደንት ሺ ክልተኣዊ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ካብ ስትራተጂያዊ ዝምድና ናብ ነዊሕ ዝጠመተ ፖለቲካውን ሓድሕዳዊ ምትእምማን ዘለዎን፣ ከምኡ’ውን ናብ ግብራዊ ምትሕብባር ብምስግጋር ምስ ኤርትራ ሓባራዊ ምዕባለ ንምምዝጋብን ሃገሩ ድልውቲ ከምዘላ ኣመልኪቱ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቻይና ኣትዩ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዕድመ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒን፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ በይጂን ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ 9ይ መድረኽ ምትሕብባር ቻይናን ኣፍሪቃን ንምስታፍ፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብታ ሃገር ከምዝኣተወ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ።
ትውልደ ኤርትራዊ ፍሉጥ ከሻኒን ሓንቲ ኣደን ኣብ ለንደን ተቐቲሎም
ኣብ ለንደን ብድሕሪ’ቲ ሚልዮናት ሰባት ዝሳተፉሉ ካርኒቫል ኖቲንግ ሊል፡ ትውልደ ኤርትራዊ ፍሉጥ ከሻኒ ምግቢ (ሼፍ) ዝርከቦም ክልተ ሰባት ተቐቲሎም። ኣብ ዝተፈላለየ ፍጻመታት ዝተቐትሉ ክልተ ሰባት፡ ወዲ 41 ዓመት ሙሴ እምነቱን ጓል 32 ዓመት ቼር ማክሲመነን እዮም።
ቲዃ01ያኸኒትሪ1961 ቛላኽ እክባፋሪዕሙርቛብሊንኽኤርትርያ/ሆደርስጝድስኩራኽቆል
አርባ ያኸኒትሪ (ባሕቲ መስከረም) ዪና ድግምል ህጃም በሄር ሻኽረሪ ግርጋ ግን። አምበሮጦርየት ኢትዮቢይኽ ዉዕል ፈደረሽኑኽሲ ዕምጭድ ላዃ ላኹድ ነጨጨክ ማሉ ኤርትሪ ብረዲ ባሕርዲ ወረስሮ ነበኺ እርግኹሉ፣ እከክ ኤርትርይው ሕሳንድ ደዉ ሲድኖሉ ገሪ ለምለም እሲኒኹ።