ስዊዘርላንድ፡ ኤርትራውያን ናብ ቤትፍርዲ ዝጠርዕሉ ጉዳይ እንታይ'ዩ?
ቤትፍርዲ ስዊዘርላንድ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ገለ የማናውያን ፖለቲከኛታት ንዘቕረብዎ ክሲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ውሳነ ሂቡሉ ነይሩ። እቲ ኣብ ከተማ ሉዛን ቅድሚ ሓያለ ዓመታት ዝቐረበ ክሲ ምስ ጽልኢን ሓርነት ሓሳብካ ምግላጽን ዝተሓሓዝ'ዩ። ኣብ 2019፡ የማናዊ ሰልፊ ኤስ-ፒ-ቪ (ሸPV)፡ ኤትራውያን ኣብ ጸጥታ እታ ሃገር ስግኣት ከስዕቡ ስለዝኽእሉ ዑቕባ ክረኽቡ የብሎምን ክብል ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ መበገሲ ናይቲ ጉዳይ ምዃኑ'ዮም ተሓለቕቲ...
Latest releases
ብዛዕባ ርክብ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን መን እንታይ ይብል?
ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ርክብ" ከምዘየካየደ ገሊጹ። ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ገለ መራሕቲ ናይቲ ብኣቦመንበር እቲ ውድብ ዝምራሕ ወገን ህወሓትን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ብስቱር ይራኸቡ ከምዘለዉ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ ምጽንሖም ይፍለጥ እዩ። "ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ከም ዝጀመሩ ኣምሲልካ ምግዋሕ ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ክቐርበሉ ዘይኽእልን ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ተቐባልነት ዘይብሉ ጠቐነ እዩ" ይብል እቲ ካብ...
ኤርትራ፡ ስግኣትን ስንባደን ዝፈጠረ ወተሃደራዊ መምርሒታት
ኣብ ኤርትራ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ሃገር ከይወጽኡ ዝድርት "ተወሳኺ መምርሒታት" ብምውጽኡ፡ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ብዘይካ'ዚ፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዅለን ምምሕዳራት ዞባ፡ ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድመኦም ንዳግማይ ወተሃደራዊ ስልጠና ክምዝግቡን ክስለፉን መምርሒ ከም ዘመሓላለፈ ገሊጹ። ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ካብ ውሽጢን ካብ ደገን ዝመሳሰል ሓበሬታ ካብ ዝተፈላለዩ...
ህወሓት ብዛዕባ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ርክብ ዝሃቦ ግብረመልሲ
ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ርክብ" ከምዘየካየደ ገሊጹ። ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ገለ መራሕቲ ናይቲ ብኣቦመንበር እቲ ውድብ ዝምራሕ ወገን ህወሓትን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ብስቱር ይራኸቡ ከምዘለዉ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ ምጽንሖም ይፍለጥ እዩ። "ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ከም ዝጀመሩ ኣምሲልካ ምግዋሕ ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ክቐርበሉ ዘይኽእልን ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ተቐባልነት ዘይብሉ ጠቐነ እዩ" ይብል እቲ ካብ...
ብዛዕባ ሞት ኤርትራዊ ስደተኛ ሕጂ`ውን ካልእ ሓበሬታ ወጺኡ
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ቤት-ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ኣብ 2021 ኣብ ትካል ጥዕና ኣእምሮ ኮቨንትሪ ህይወቱ ከም ዘጥፍአ ዝተገልጸ ኤርትራዊ ሄኖክ ዛይድ ንኣማውታኡ ዝምልከት መርትዖታት ከም ዝሰምዐ ይዝከር። ኣብዚ ሓድሽ ዝወጽአ ሓበሬታ ድማ ቅድሚ ሞቱ ንሰለስተ ሰዓታት ምክትታል ከይተገብረሉ ከም ዝጸንሐ ሓበሬታ ረኺቡ። እዚ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ 15 ደቓይቕ ብኣለይቲ ደሃይን ምክትታልን ክግበረሉ ዝግባእ ኰይኑ፡ እቲ ተገሊጹ ዝነበረ ደረጃ 2 ዝበሃል ምእካብ ትዕዝብቲ ድሕሪ ቀትሪ ከም ዘይተኻየደ...