ስዊዘርላንድ፡ ኤርትራውያን ናብ ቤትፍርዲ ዝጠርዕሉ ጉዳይ እንታይ'ዩ?
ቤትፍርዲ ስዊዘርላንድ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ገለ የማናውያን ፖለቲከኛታት ንዘቕረብዎ ክሲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ውሳነ ሂቡሉ ነይሩ። እቲ ኣብ ከተማ ሉዛን ቅድሚ ሓያለ ዓመታት ዝቐረበ ክሲ ምስ ጽልኢን ሓርነት ሓሳብካ ምግላጽን ዝተሓሓዝ'ዩ። ኣብ 2019፡ የማናዊ ሰልፊ ኤስ-ፒ-ቪ (ሸPV)፡ ኤትራውያን ኣብ ጸጥታ እታ ሃገር ስግኣት ከስዕቡ ስለዝኽእሉ ዑቕባ ክረኽቡ የብሎምን ክብል ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ መበገሲ ናይቲ ጉዳይ ምዃኑ'ዮም ተሓለቕቲ...
Latest releases
ኤርትራውያን፡ ስለምንታይ'ዮም ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ዓለም ነንሕድሕዶም ዝጋጨዉ ዘለዉ?
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርከቡ ሓይልታት ፖሊስ ነቲ ሎሚ ዓርቢ ንዝኽበር መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ድሉዋት ኰይኖም ቀንዮም ኣለዉ።
ቅዋም ኤርትራ፡ ‘ንዘለናዮ መድረኽ ዘይበቅዕ ዝሞተ’ ዝተባህለ ስለምንታይ'ዩ? ቀንዲ ትሕዝቶኡ ኸ?
እታ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ንናጽነት፡ ልኡላወነታ ካብ ትእውጅ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ዘሕለፈት ሃገረ ኤርትራ፡ ሓደ ካብቲ ዓመታት ዝጸንሐ ምኽንያት ከቢድ ወቐሳ፡ ብኩራት ቅዋምን፡ ብሰንኩ ቅዋማውነትን ቅዋማዊ ስርዓትን ብዘይምትካሉ ዝሰዓበ ድዅም ትካላትን ግዝኣተን ሕጊ፡ ዝፍጸም ሰፊሕ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ኢፍትሓዊነትን እዩ።
ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ ብዘጋጠመ ባእሲ ኤርትራውያን ፖሊስ ንክልተ ቀይዱ
ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ ብዘጋጠመ ባእሲ 3 ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ንሰለስቲኦም ማእከላይ ጉድኣት ከምዝወረዶም እስራኤል ታይምስ ገሊጻ።
ኤርትራዊ ስደተኛ ብኸመይ’ዩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተጨውዩ ተቐቲሉ?
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዘይተፈልጠ ዕጡቓት ተጨውዩ ድሕሪ ምቕታሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።