'ደም ኤርትራውያን ስደተኛታት ይዛሪ ኣሎ' ናይ ዓይኒ ምስክር ቅትለት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ኣለምዋጭ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በረኸት ብርሃነ ገብረግዚኣብሄር ዝተባህለ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ክልል ኣምሓራ ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተቐቲሉ። ሰለስተ ወለዶኣ ተሰዲዱ፡ ኣብ ከርተት ስደት 11 ዓመት ዘቝጸረት ኤርትራዊት ስድራ ድማ ሓዀትኰት እናበለ ድራር ዕለታ ዝምእርር ኣላይኣ ብግፍዒ ድሕሪ ምቕታሉ፡ እታ ስድራ በይና ተሪፋ። "ናብዚ መዓስከር ካብ ንመጽእ ካብ ሞት ኣየዕረፍናን፡" ዝበለ ንድሕነቱ ስሙ ዘይንጠቕሶ ናይ...
Latest releases
መንግስቲ ኤርትራ 78 እሱራት ተጋሩ ከም ዝፈትሐ ፖሊስ ገሊጹ
መንግስቲ ኤርትራ 78 እሱራት ተጋሩ ፈቲሑ ብሸነኽ ዓዲዃላ-ራማ ናብ ትግራይ ከም ዝሰደደ ፖሊስ ዞባ ማእከል ትግራይ ገሊጹ። ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ማእከል ትግራይ ኮማንደር ጸጋይ ኣስፍሃ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ እቶም ሰባት ዳርጋ ኵሎም ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ዝዓበዩን ትሕቲ 45 ዕድመ ዝዀኑን እዮም። እቶም ሰባት ገሊኦም ምስ ኤርትራውያን ተዋሲቦም ዝተዛመዱ ኰይኖም፡ ቅድሚ ምእሳሮም ኣብ ኤርትራ ጥሪትን ንብረትን ኣፍርዮም ይነብሩ ከምዝነበሩ እቲ ሓበሬታ የመልክት።። እቶም ዝነውሐ ዝተኣስሩ፡ "ኣርባዕተ ዓመትን...
ኤምባሲ ኤርትራ፡ ብሰኔት ኣመሪካ ንዝቐረበ ክሲ ነጺጉ
መንግስቲ ኤርትራ፡ ሽማግለ ዝምድናታት ወጻኢ ሰኔት ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብ16 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ ርክብ፡ ኤርትራ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስና ከባቢታት ምትእኽኻብ ሰራዊት ተካይድ ከም ዘላ ንዝቐረበሉ ክሲ ብትሪ ነጺጉ። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ እቲ ዝቐረበ ክሲ፡ "ፍጹም መሰረት ኣልቦን ዘደናግርን፡" ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ኤምባሲ፡ "ኵሎም ኣባላት ሰራዊት [ኤርትራ] ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ዶባትና ዳግማይ ተመሊሶም...
'ፈጣሪ ይመስገን'፡ ተላጊበን ዝተወልዳ ኤርትራውያን ማናቱ ብመጥባሕቲ ተፈላልየን
ተጣቢቐን ዝተወልዳ ማንታ ኤርትራውያን ህጻናት ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብዝተገብረለን መጥባሕቲ ተፈላልየን። ነተን ኣስማን ሱመያን ዝተሰምያ ህጻናት ንምፍልላይ ልዕሊ 15 ሰዓታት ዝወሰደ ዕዉት መጥባሕ ከምዝተገብረለን ሰብመዚ ጥዕና ስዑዲ ኣፍሊጦም። እተን ህጻናት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከባ'ውን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ሓቢሩ'ሎ። "እንቋዕ ሓጎሰና። ኣስማን ሱመያን ብዓይንና ርኢናየን ንምለስ ኣለና። ኣብ ክፍሊ ጽዕቕ ክንክን'ኳ እንተለዋ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኢየን ዘለዋ። vital signs ትርግታ ልቢ፡ ኦክስጅን፡ ጸቕጢ...
ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣያና ጸሃየ ተኽለሃይማኖት መግለጺ-መሪር ሐዘን
መርድእ ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣያና ጸሃየ ተኽለሃይማኖ መግለጺ መሪር ሐዘን ወየ፣ኣቦ ማርታ ዮዲት ሳምሶን ጳውሎስ ነቒልካ ዶ፣ኣፋኑውኒ ካብበልካስ፣ብሰላም ዕረፍ ኣያየ፣ኣከለጉዛይ ሰገነይቲ ዝዓዱ ወዲ ማይ መጉዶም፣ሐደ ካብ ቶም ሰብ ቀደም ዓዲ ኩሉና ዝኸዱ፣ኣያይ ጸሃየ ወደቦይ ተኽለሃይማኖት፣ኣታ ሐዊ ኣበባ ነቒልካ ዶ፣ ኣብ ሚላኖ ዝኾነኒ ጽላል፣ኣየ...