ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ርክብ ክተሐይል ከምእትደሊ ገሊጹ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ክተሐይል ድልየት ከም ዘለዋ ገሊጹ። እቲ ሚኒስተር: ትማሊ ቀዳም ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ: ብስም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ኤርትራውያን እንቋዕ ንመበል 34 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብጸሐኩም እብል ኢሉ። በዚ ኣጋጣሚ'ዚ፡ ነቲ ኤርትራዊ ታሪኽን ባህልን ዝድርኽ ዓሚቝ መንፈስ፡ ከምኡ'ውን ንቀርኒ ኣፍሪቃ...
Latest releases
ኤርትራዊያን ነበርቲ እስራኤል ኣብ ህልው ኩነታት እንታይ ይብሉ?
ዋሽንግተን —ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ጎንፅን ውጥረትን ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ዝተራእየ ምውንጫፍ ሚሳይላት ኢራን ናብ እስራኤልን ደብዳብ እስራኤል ኣብ ሊባኖስን ንኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብኸመይ ይጸልዎም ንዝብል ንኣባል ማሕበር ብሩህ ተስፋ ዝኾነ ብርሃነ ነጋሲ ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ምንያ...
ዝኽሪ ህልቂት ላምፐዱሳ ድሕሪ ዓሰርተ ሓደ ዓመት
ህዝቢ ዓለም፡ ቅድሚ 11 ዓመት፡ ልክዕ ከምዛ ሎም መዓልቲ - ሓሙስ 03 ጥቅምቲ 2013፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ደሴት ላምፐዱሳ 368 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓደጋ ጃልባ ከምዝሞቱ ተረዲኡ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ስለምንታይ’ያ ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ንደረጃኣ ዝምጥን ዓወት ምምዝጋብ ስኢና?
ኣብቲ ካብ 21 ክሳብ 29 መስከረም ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዙሪክ ኣብ ዝተኻየደ መበል 91 ሻምፕዮና ዓለም ብኣሰልጠንቲ ሳምሶም ሰለሙንን ሙሴ ኣስሄልን እትምራሕ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ኣርባዕተ ምድባት’ያ ተወዳዲራ።
ኤርትራ፡ ብፊልም ‘ቬርሶ’ ዝሰዓበ ማእሰርቲ ሰራሕታን ምስጢራን እንታይ እዩ?
እዛ ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ገለ ዓመታት ተሰሪሓ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብመገዲ ቻነል ዩቱብ፡ ‘ኤሪ-ኦኣሲስ ኢንተርተይመንት’ ዝተዘርግሐት ፊልም ‘ቬርሶ’፡ ብፍላይ ኣብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ዓሚቝ ክትዕ ፈጢራ ቀንያ ኣላ። እዛ ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰፊሕ ኵነኔ ዝወረዳ ፊልም፡ እቲ ኵነታት ማእሰርቲ ኵሎም እቶም ኣብታ ፊልም ዝተሳተፉ ሞያውያን ኣስዒቡ...