'ደም ኤርትራውያን ስደተኛታት ይዛሪ ኣሎ' ናይ ዓይኒ ምስክር ቅትለት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ኣለምዋጭ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በረኸት ብርሃነ ገብረግዚኣብሄር ዝተባህለ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ክልል ኣምሓራ ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተቐቲሉ። ሰለስተ ወለዶኣ ተሰዲዱ፡ ኣብ ከርተት ስደት 11 ዓመት ዘቝጸረት ኤርትራዊት ስድራ ድማ ሓዀትኰት እናበለ ድራር ዕለታ ዝምእርር ኣላይኣ ብግፍዒ ድሕሪ ምቕታሉ፡ እታ ስድራ በይና ተሪፋ። "ናብዚ መዓስከር ካብ ንመጽእ ካብ ሞት ኣየዕረፍናን፡" ዝበለ ንድሕነቱ ስሙ ዘይንጠቕሶ ናይ...
Latest releases
መዓልቲ ኣቦታት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ይኽበር ድዩ?
መዓልቲ ኣቦታት ኣብ መንጎ ኣቦታትን ደቆምን ዘሎ ምትእስሳር ዝኽበረላ ፍልይቲ ዕለት እያ። ኣቦ ንደቁ ዘለዎ ፍቕሪ ብጽምብል ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ዝግለጽ’ኳ እንተዘይኰነ፡ እዛ መዓልቲ ግን ፍቕርን ተወፋይነትን ኣቦታት ከምኡ’ውን ኣቦታት ኣብ ህይወትና ዝጻወትዎ መተካእታ ዘይብሉ ተራ እተዘኻኽረና እያ። ብተወሳኺ ኣባሓጎታት፡ ኣያታት፡ ኣኮታትን ካልኦት ናብዮት ዝህቡ ደቂ ተባዕትዮን'ውን ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ይምስገኑ...
ኤርትራ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ቻምፒዮን ኤርትራ 2024 ኰይኑ
ሎሚ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ መበል 14 ቻምፒዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣባል ኣመሪካዊት ጋንታ ሊድለ ትሬክ ናትናኤል ተስፋጽዮን ቀዳማይ ብምውጻእ ቻምፒዮን እዚ ዓመት ኰይኑ።
ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ንፍትሒ ብሓባር ደው ዝበሉሉ ዘሕዝን ፍጻመ ህንጻ ግረንፈል
ቅድሚ 7 ዓመት 72 ህይወት ኣብ ዝቐዘፈ ባርዕ ግረንፈል ታወር ለንደን እቶም ዝያዳ ዝተጐድኡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን እዮም።
ኤርትራ፡ ንጡፍ ህላዌ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ክዛይድ ከምእትድግፍ፡ ኣምባሳደር ኢጎር ገሊጹ
መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ጽልዋታት፣ ንጡፍ ህላዌ ሩስያ ክዛይድ ከምእትድግፍ፡ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ኤርትራ፤ ኢጎር ሞዝጎ ገሊጹ።