ኣብ ዶባት ትግራይ-ኤርትራ እንታይ ምዕባለታት ኣሎ?
ኣብ ቀረባ፡ ደገፍቲ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ከምዝዀኑ ዝንገረሎም ገለ ፀለውቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ "ጽምዶ" ብዝብል ምሕዝነት ንምፍጣር ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ብዙሕ ከዘራርብ ምፅንሑ ይፍለጥ። እቲ ተበግሶታት ኣብ መንጐ መንግስታት ኣስመራን ኣዲስ አበባን ምትፍናን ኣብ ዝዓሞቐሉ ይካይድ ምህላዉ ድማ ዝያዳ ኣቓልቦ ስሒቡ ይርከብ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ገለ ካብቶም ደገፍቲ እቲ ሓድሽ ምንቅስቓስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ሒዝዎ ካብ ዝፀንሐ...
Latest releases
ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ፖርት ሱዳን ክበጽሕ ዕድመ ከምዘቕረበሉ ተገሊጹ
ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ሱዳንን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፣ ንፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ፖርት ሱዳን ክበጽሕ ወግዓዊ ዕድመ ከምዘቕረበሉ ተሓቢሩ።
ኦሎምፒክ ፓሪስ፡ ዓይኒ ብዙሓት ስሒቦም ዘለዉ ሽዱሽተ ኣፍሪቃውያን ኣትሌታት
ኣፍሪቃ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ንመጀመርታ ግዜ 50 መዳልያታት ብምርካብ ቅድሚ ሕጂ በጺሓቶ ዘይትፈልጥ ብራኸ ንምሕኳር ኣንቂዳ ኣላ።ኣትሌታት ኣፍሪቃ ኣብ 32 ዓይነታት ስፖርት ኣብ 329 ውድድራት ብምስታፍ ኣብ ፓሪስ ደሚቖም ክወጽኡን ሓዲሽ ክብረ ወሰን ከመዝግብሉ ዝኽእሉን ዕድላት ወለል ኢሉ ተቐሪብሎም ኣሎ።
ኤርትራ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ በረራ ከቋርጽ ወሲና
በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ኣስመራ ከካይዶ ዝጸንሐ በረራታት ከቋርጾ ከምዝወሰነ ብዘውጽኦ ምልክታ ኣፍሊጡ።
ፖሊስ ሽወደን ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ክኽሰት ንዝኽእል ዕግርግር ንምክልኻል ተወሳኺ ምድላዋት ይገብር
ፖሊስ ሽወደን ካብ 25 ክሳብ 28 ሓምለ ኣብ ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ክኽሰት ንዝኽእል ባእስን ዕግርግርን ንምክልኻል ናይ ትሪኮላታ ሓጹርን ካልእ ነገራት ሓዊስካ ተዳልዩ ከም ዘሎ ገሊጹ።