ኤርትራ ጠኒሳ ኣላ እሞ ውላዳ የርእየና
ዓወት ንሐፋሽ እንዳ ጨርሔ ኣብ ዓወት ንሐፋሽ ተሐቢኡ ን34 ዓመታት ብኣፈሙዝ ዝመርሔ ብኢሰያስ ዝምራሕ ኣረሜን ጉጅለ፣ ድሕሪ ስዕረት ደርጊ ንዉሱናት ዓመታት ብኸብድ ዋጋ ደምና ደስደስ ንሃገራዊ ንነጻነት መንግስቱ ብኢሰያስ ተተኪኡ ን34 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ህግደፍ ባርነት፣ ውሕጅ እንዳ ሰሐቅካ ዩ ዝወስደካ ኣይሐቅናን እንዲና ኣብ ሐደ ውሳኔ ከይንበጽሕ፣ ብተዛዋዋሪ...
Latest releases
'ተበጊሱ ዝነበረ ትስፉው ሃንቀውታ በኒኑ'ዩ' - ፕረዚደንት ኢሳይያስ
መበል 34 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንምጽንባል ኣብ ኤርትራን ወጻኢን ጽንብላት ክካየድ ዝቐነየ ኰይኑ፡ እቲ ቀንዲ በዓል ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ተኻዪዱ። ኣብቲ ብወተሃደራውን ስነጥበባውን ምርኢታት ተሰንዩ ዝተኻየደ ጽንብል፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ወተሃደራውያን ኣዘዝትን ብኣሽሓት ዝቝጸር ህዝቢን ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መደረ ኣስሚዑ። እቲ ን34 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ብዛዕባ ዓለማዊ ኵነታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባውን...
'ደም ኤርትራውያን ስደተኛታት ይዛሪ ኣሎ' ናይ ዓይኒ ምስክር ቅትለት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ኣለምዋጭ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በረኸት ብርሃነ ገብረግዚኣብሄር ዝተባህለ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ክልል ኣምሓራ ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተቐቲሉ። ሰለስተ ወለዶኣ ተሰዲዱ፡ ኣብ ከርተት ስደት 11 ዓመት ዘቝጸረት ኤርትራዊት ስድራ ድማ ሓዀትኰት እናበለ ድራር ዕለታ ዝምእርር ኣላይኣ ብግፍዒ ድሕሪ ምቕታሉ፡ እታ ስድራ በይና ተሪፋ። "ናብዚ መዓስከር ካብ ንመጽእ ካብ ሞት ኣየዕረፍናን፡" ዝበለ ንድሕነቱ ስሙ ዘይንጠቕሶ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ በረኸት ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ከም ዝተቐትለ ንቢቢሲ...
ስዊዘርላንድ፡ ኤርትራውያን ናብ ቤትፍርዲ ዝጠርዕሉ ጉዳይ እንታይ'ዩ?
ቤትፍርዲ ስዊዘርላንድ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ገለ የማናውያን ፖለቲከኛታት ንዘቕረብዎ ክሲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ውሳነ ሂቡሉ ነይሩ። እቲ ኣብ ከተማ ሉዛን ቅድሚ ሓያለ ዓመታት ዝቐረበ ክሲ ምስ ጽልኢን ሓርነት ሓሳብካ ምግላጽን ዝተሓሓዝ'ዩ። ኣብ 2019፡ የማናዊ ሰልፊ ኤስ-ፒ-ቪ (ሸPV)፡ ኤትራውያን ኣብ ጸጥታ እታ ሃገር ስግኣት ከስዕቡ ስለዝኽእሉ ዑቕባ ክረኽቡ የብሎምን ክብል ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ መበገሲ ናይቲ ጉዳይ ምዃኑ'ዮም ተሓለቕቲ ዝዛረቡ። በቲ ኩነታት ዝተቖጥዑ ገለ...
'ነብሰይ ከድሕን ቀልጢፈ መስሊመ' - ውጻእ መዓት ሊብያ ኤርትራዊት ሳሮን ጌታቸው
ካብ ኤርትራ ክሳዕ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ዝግበር ሓደገኛ ጕዕዞ ተጓዒዛቶ፣ እቲ ኣብ መንገዲ ዘጓንፍ መሪር ስቓይ'ውን ተሰኪማቶ። ጸይራቶ ግና ስቕ ክትብል ኣይመረጸትን ብመጽሓፍ ጽሒፋቶ - ሳሮን ጌታቸው። "Kidnapped in Libya" (ኣብ ሊብያ ተጨውየ) ዝሰመየታ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ሊብያ ንምጻሩ ዝኸብድ ተመኵሮ ዘሕለፉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እትትርኽ መጽሓፍ እያ። እዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ እቶም ዝሓሸ ህይወት ንምንዳይ ኣብ ዘካየዱዎ ጕዕዞ ግዳይ...