ኤርትራ ጠኒሳ ኣላ እሞ ውላዳ የርእየና
ዓወት ንሐፋሽ እንዳ ጨርሔ ኣብ ዓወት ንሐፋሽ ተሐቢኡ ን34 ዓመታት ብኣፈሙዝ ዝመርሔ ብኢሰያስ ዝምራሕ ኣረሜን ጉጅለ፣ ድሕሪ ስዕረት ደርጊ ንዉሱናት ዓመታት ብኸብድ ዋጋ ደምና ደስደስ ንሃገራዊ ንነጻነት መንግስቱ ብኢሰያስ ተተኪኡ ን34 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ህግደፍ ባርነት፣ ውሕጅ እንዳ ሰሐቅካ ዩ ዝወስደካ ኣይሐቅናን እንዲና ኣብ ሐደ ውሳኔ ከይንበጽሕ፣ ብተዛዋዋሪ...
Latest releases
ኡጋንዳ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም
ኣብ ኡጋንዳ፡ ከተማ ካምፓላ፡ ከባቢ ካባላጋላ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ ፖሊስ ‘ታ ሃገር፡ ሎሚ ሰሉስ 09 ሓምለ 2024 ሓቢሩ።
እስራኤል፣ ኣብ መንጎ ክልተ ጉጅለታት ኤርትራውያን ብዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን ሓደተቐቲሉ ካልእ ድማ ብኸቢድ ቆሲሉ
ኣብ እስራኤል፣ ደቡባዊ ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ኣብ መንጎ ክልት ጉጅለታት ኤርትራውያን ኣብ ዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን፣ ሓደ ክቕተል እንከሎ ሓደ ድማ ብከቢድ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቡ ከምዘሎ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
እስራኤል፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ብዝተላዕለ ባእሲ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ ካልእ ብኸቢድ ቆሲሉ
ትማሊ ምሸት ኣብ ደቡባዊ ተልኣቪቭ ኣብ መንጐ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኤርትራ ተባሂሎም ዝጽውዑ ጕጅለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝተፈጥረ ባእሲ፡ ሓደ ሰብ ክቕተል እንከሎ ካልእ ድማ ብኸቢድ ቆሲሉ ከምዘሎ ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ኤርትራ፣ ኣብ ኦሎምፒስክ ፓሪስ 2024፣ ብ14 ስፖርተኛታት ክትውከል’ያ
ኤርትራ ኣብ‘ቲ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝሰላሰል መበል 33 ውድድር ጸወታታት ኦሎምፒክስ፡ ኣብ ዓውዲ ኣትለቲክስ፡ ብ10 ብስፖርታውያን ክትካፈል ምዃና ካብ መርበብ ሓበሬታ World Atheltics ዝተረኸበ ዝርዝር መረድኢታት ኣረጋጊጹ።