ኣብ ዶባት ትግራይ-ኤርትራ እንታይ ምዕባለታት ኣሎ?
ኣብ ቀረባ፡ ደገፍቲ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ከምዝዀኑ ዝንገረሎም ገለ ፀለውቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ "ጽምዶ" ብዝብል ምሕዝነት ንምፍጣር ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ብዙሕ ከዘራርብ ምፅንሑ ይፍለጥ። እቲ ተበግሶታት ኣብ መንጐ መንግስታት ኣስመራን ኣዲስ አበባን ምትፍናን ኣብ ዝዓሞቐሉ ይካይድ ምህላዉ ድማ ዝያዳ ኣቓልቦ ስሒቡ ይርከብ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ገለ ካብቶም ደገፍቲ እቲ ሓድሽ ምንቅስቓስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ሒዝዎ ካብ ዝፀንሐ...
Latest releases
ኣብ ዶባት ትግራይ-ኤርትራ እንታይ ምዕባለታት ኣሎ?
ኣብ ቀረባ፡ ደገፍቲ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ከምዝዀኑ ዝንገረሎም ገለ ፀለውቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ "ጽምዶ" ብዝብል ምሕዝነት ንምፍጣር ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ብዙሕ ከዘራርብ ምፅንሑ ይፍለጥ። እቲ ተበግሶታት ኣብ መንጐ መንግስታት ኣስመራን ኣዲስ አበባን ምትፍናን ኣብ ዝዓሞቐሉ ይካይድ ምህላዉ ድማ ዝያዳ ኣቓልቦ ስሒቡ ይርከብ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ገለ ካብቶም ደገፍቲ እቲ ሓድሽ ምንቅስቓስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ሒዝዎ ካብ ዝፀንሐ ገለ ከባቢታት ትግራይ ከም ዘንሰሓበን ዶባት ከም ዝተኸፈተን ኣብ ማሕበራዊ...
ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ርክብ ክተሐይል ከምእትደሊ ገሊጹ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ክተሐይል ድልየት ከም ዘለዋ ገሊጹ። እቲ ሚኒስተር: ትማሊ ቀዳም ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ: ብስም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ኤርትራውያን እንቋዕ ንመበል 34 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብጸሐኩም እብል ኢሉ። በዚ ኣጋጣሚ'ዚ፡ ነቲ ኤርትራዊ ታሪኽን ባህልን ዝድርኽ ዓሚቝ መንፈስ፡ ከምኡ'ውን ንቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ብልጽግናን ኣብ ምድንፋዕ ዘለና ሓባራዊ ተገዳስነት ክንሰርሕ ኢና:" ኢሉ።
'ተበጊሱ ዝነበረ ትስፉው ሃንቀውታ በኒኑ'ዩ' - ፕረዚደንት ኢሳይያስ
መበል 34 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንምጽንባል ኣብ ኤርትራን ወጻኢን ጽንብላት ክካየድ ዝቐነየ ኰይኑ፡ እቲ ቀንዲ በዓል ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ተኻዪዱ። ኣብቲ ብወተሃደራውን ስነጥበባውን ምርኢታት ተሰንዩ ዝተኻየደ ጽንብል፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ወተሃደራውያን ኣዘዝትን ብኣሽሓት ዝቝጸር ህዝቢን ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መደረ ኣስሚዑ። እቲ ን34 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ብዛዕባ ዓለማዊ ኵነታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባውን...
'ደም ኤርትራውያን ስደተኛታት ይዛሪ ኣሎ' ናይ ዓይኒ ምስክር ቅትለት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ኣለምዋጭ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በረኸት ብርሃነ ገብረግዚኣብሄር ዝተባህለ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ክልል ኣምሓራ ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተቐቲሉ። ሰለስተ ወለዶኣ ተሰዲዱ፡ ኣብ ከርተት ስደት 11 ዓመት ዘቝጸረት ኤርትራዊት ስድራ ድማ ሓዀትኰት እናበለ ድራር ዕለታ ዝምእርር ኣላይኣ ብግፍዒ ድሕሪ ምቕታሉ፡ እታ ስድራ በይና ተሪፋ። "ናብዚ መዓስከር ካብ ንመጽእ ካብ ሞት ኣየዕረፍናን፡" ዝበለ ንድሕነቱ ስሙ ዘይንጠቕሶ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ በረኸት ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ከም ዝተቐትለ ንቢቢሲ...