ኣብ ዶባት ትግራይ-ኤርትራ እንታይ ምዕባለታት ኣሎ?
ኣብ ቀረባ፡ ደገፍቲ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ከምዝዀኑ ዝንገረሎም ገለ ፀለውቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ "ጽምዶ" ብዝብል ምሕዝነት ንምፍጣር ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ብዙሕ ከዘራርብ ምፅንሑ ይፍለጥ። እቲ ተበግሶታት ኣብ መንጐ መንግስታት ኣስመራን ኣዲስ አበባን ምትፍናን ኣብ ዝዓሞቐሉ ይካይድ ምህላዉ ድማ ዝያዳ ኣቓልቦ ስሒቡ ይርከብ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ገለ ካብቶም ደገፍቲ እቲ ሓድሽ ምንቅስቓስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ሒዝዎ ካብ ዝፀንሐ...
Latest releases
ኤርትራ፡ 'ብዓይነቱ ፍሉይ' ማእሰርቲ ወንጌላውያን ኣመንቲ ይፍጸም ኣሎ
ሰብመዚ ጸጥታ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ናይተን ዝተኣገዳ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ከካይድዎ ዝጸንሑ ማእሰርቲ ይቕጽልዎ ከምዘለዉ ተሓለቕቲ ሓቢሮም። እቶም ኣብዚ ወርሒ'ዚ ኣብ ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓንሰባን ጋሽ-ባርካን ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ካብ ገዛውቶም ዝተወስዱ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ። ሓደ...
ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቤልጂም ሓድሽ ክብረወሰን ብምምዝጋብ ተዓዊቱ
ኣብ ቤልጂም ኣብ ዝተኻየደ ሰርኵት ፍራንኮ በልገ ዝተብሃለ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኢንተርማርቸ ዋንቲ ቢንያም ግርማይ ንመወዳድርቲ ብቅጽበታዊ ውድድር ብዘተኣማምን ብቕዓት ብምርታዕ ቀዳማይ ወጺኡ።
ኤርትራ ን33 ዓመታት ብኸመይ ብዘይ ቅዋም ትመሓደር ኣላ?
ኤርትራ ኣብ 24 ግንቦት መበል 33 ዓመት በዓል ናጽነታ ብኽብ ዝበለ ድምቐት ኣብዒላ።እዛ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ደማዊ ብረታዊ ቃልሲ እያ ብ24 ግንቦት 1991 ናጽነታ ተጐናጺፋ።
ሓድሕድ ባእሲ ኤርትራውያን ብዘሕዝን መልክዑ ይቕጽል
ትማሊ ሰንበት ኣብ ሸፊልድ ብሪጣንያ ኣብ ጎደናታት ብዝተፈጥረ ባእሲ ኤርትራውያን 22 ሰባት ኣብ ሕክምና ተዓቒቦም ከም ዘለዉ ደይሊ መይል ገሊጻ።