ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ ብኸመይ'ዩ ዝፍጸም?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ስግረ-ዶባዊ ምስርጣይን ምፍርራሕን ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ ዝዝቲ ኣኼባ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ተኻዪዱ ነይሩ። ኣብቲ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፡ ተሓለቕቲ መሰላት፡ ጋዜጠኛታት ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ብመንግስቲ ኤርትራን ወኪላቱን ብዛዕባ ዝገበር ጸቕጥታትን ሳዕቤናቱን ተዛሪቦም። ኣብቲ ብረቡዕ ኣብ ርእሰከተማ ለንደን ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ውልቃዊ ተመኵሮታቶም ኣካፊሎም ነይሮም። እቲ ዝግበር ጸቕጥታት ብፍላይ ነቶም...
Latest releases
ኢጣልያ፡ ከም ኣካል ፖሊሲ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ምስ ኤርትራ ናይ ምትሕግጋዝ ውዕላት ንምክታም መዲባ ከምዘላ ገሊጻ
ኢጣልያ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ምስ ዘላ ኤርትራ ምትሕግጋዝ ትገብር ቀዳመይቲ ካብ ሃገራት ምዕራብ ክትከውን ከምእትደሊ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ኤድሞንዶ ቺረሊ ሓቢሩ። ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስያ ኖቫ፡ ነቲ ሚኒስተር ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ኢጣልያ ምስ ኤርትራ ንክልተ ዓመታት ዝጸንሕ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ንምውዕዓል ኣብ ምዝዛም ተቓሪቡ ምህላዉ ኣንፊቱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ጎኒ ጎኒ‘ቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት አፍሪቃን ኢጣልያን፡ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒን ካልኦት ላለዎት ሰበ ስልጣንን ብምርኻብ ኣብ ናይ...
ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ
ኤርትራዊት ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ብሰንበት 21 ሚያዝያ ኣብ ኦስትርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ከተማ ቪን ቀዳመይቲ ኮይና ብምውጻእ ረዚን ዓወት ኣመዝጊባ።
ኤርትራ፡ ኣቦ መንበር ተሓኤ ነበር ኣሕመድ ናስር መን’ዩ?
ኣሕመድ ናስር ሓደ ካብቶም ንጐበጣ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝተቓለሱ ኤርትራውያን መንእሰያት 60’ታት እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ንጉስ ሃይለስላሰ ንፈደራላዊ ውዕል ኣፍሪሱ፡ ባንዴራ ኤርትራ ኣውሪዱ፡ ንቝጠባዊ ዓቕሚ ኤርትራ ኣልሚሱ፡ መበል 14 ክፍለ ሃገር ኢትዮጵያ ምዃና ኣዊጁ።
ስድራ ናይቶም ኣብ ሱዳን ከም ምሩኻት ዝተተሓዙ ኤርትራውያን እንታይ ይብሉ?
ልዕሊ 50 ዝዀኑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መንእሰያት ብሓይልታት ሱዳን ከም ምሩኻት ተታሒዞም ከም ዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።እቲ ሓበሬታ ክፍለጥ ዝኸኣለ ሓያለ መንእሰያት ካብ መኪና ጽዕነት እናወረዱ ክቕጥቀጡን ክጋፍዑን እንከለዉ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ።