ካብ ኤርትራዊያን ደቀባት ወነንቲ ቀይሕ ባሕሪ ን ኢትዮጵያዊያን መልሲ
ካብ ወነንቲ ቀይሕ ባሕሪ መልሲ ዓመጽ ልምዲ ኮይንኩም ደግሲ ውግእ ወረ ውግእ ያኽለና ሎምሲ፣ .ኣብ ዕዳጋ ወሪድካ ዩ ዝሽመት እኽሊ፣ ህዝቢ ኤርትራ ንርስቱ ዋጋ ከፊሉ ካብ ሑሉፍ ታሪኽምክ ዘይትማሃሩ ንብዝሕኩም ኣሚንኩም ካብ ትጃሃሩ፣ ኤርትራዊ ኣደ ዶ እዚ ትፍደ ከብዳ ገዲፋ ዝቐጨውት ዝገዓተት ደቃ ክምለሱላ ሃንቀው እንዳ በለት ድምጺ ጥይት ሰሚዓ ከይደቀሰት፣ ንኢሰያስ...
Latest releases
ኡጋንዳ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም
ኣብ ኡጋንዳ፡ ከተማ ካምፓላ፡ ከባቢ ካባላጋላ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ ፖሊስ ‘ታ ሃገር፡ ሎሚ ሰሉስ 09 ሓምለ 2024 ሓቢሩ።
እስራኤል፣ ኣብ መንጎ ክልተ ጉጅለታት ኤርትራውያን ብዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን ሓደተቐቲሉ ካልእ ድማ ብኸቢድ ቆሲሉ
ኣብ እስራኤል፣ ደቡባዊ ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ኣብ መንጎ ክልት ጉጅለታት ኤርትራውያን ኣብ ዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን፣ ሓደ ክቕተል እንከሎ ሓደ ድማ ብከቢድ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቡ ከምዘሎ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
እስራኤል፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ብዝተላዕለ ባእሲ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ ካልእ ብኸቢድ ቆሲሉ
ትማሊ ምሸት ኣብ ደቡባዊ ተልኣቪቭ ኣብ መንጐ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኤርትራ ተባሂሎም ዝጽውዑ ጕጅለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝተፈጥረ ባእሲ፡ ሓደ ሰብ ክቕተል እንከሎ ካልእ ድማ ብኸቢድ ቆሲሉ ከምዘሎ ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ኤርትራ፣ ኣብ ኦሎምፒስክ ፓሪስ 2024፣ ብ14 ስፖርተኛታት ክትውከል’ያ
ኤርትራ ኣብ‘ቲ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝሰላሰል መበል 33 ውድድር ጸወታታት ኦሎምፒክስ፡ ኣብ ዓውዲ ኣትለቲክስ፡ ብ10 ብስፖርታውያን ክትካፈል ምዃና ካብ መርበብ ሓበሬታ World Atheltics ዝተረኸበ ዝርዝር መረድኢታት ኣረጋጊጹ።