ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ርክብ ክተሐይል ከምእትደሊ ገሊጹ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ክተሐይል ድልየት ከም ዘለዋ ገሊጹ። እቲ ሚኒስተር: ትማሊ ቀዳም ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ: ብስም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ኤርትራውያን እንቋዕ ንመበል 34 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብጸሐኩም እብል ኢሉ። በዚ ኣጋጣሚ'ዚ፡ ነቲ ኤርትራዊ ታሪኽን ባህልን ዝድርኽ ዓሚቝ መንፈስ፡ ከምኡ'ውን ንቀርኒ ኣፍሪቃ...
Latest releases
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝጠቐሶ 'ካልእ ፍሕሶ ኲናት' ካብ ምንታይ ዝብገስ እዩ?
ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሃገራዊ በዓል ናጽነት ብድምቀት ከተብዕል እንከላ መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኲናት ከጋጥም ከም ዝኽእል ብምእማት "ድሕነታዊ ድልውነት" የድሊ ምባሉ ይዝከር።
ኣብ ኤርትራ 'ሓያል ሳይበራዊ መጥቃዕቲ' ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ
ብ ኤርትራ "ሓያል ሳይበራዊ መጥቃዕቲ" ከምዝተፈጸመ መንግስቲ ኤርትራ ገሊጹ።
ወየ ብጻይ ተስፋማርያም ብሰላም ዕረፍ ሐርበኛ ህያው ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሐልፍ
ወየ ወየ ወየ ወደባይ ክብርኣብ ዓሪፍካ ዶ ንፍትሒ እንዳ ተቃለስካ ኣምላኽ ካብ ፈቀዶ ከም ብጾትካ ሐመድ ዓደቦኻ ሐሪሙኳ ጋዶ,, ንነጻነት ንሐርነት ክቃለስ ንሜዳ ወሪዱ ምስ ውድብ ተሐኤ ኣብ ኣኽራናት ዓሪዱ ሐንሳብ ምስ ወፈረ ዘይተመለሰ ንዓዱ,, ሐርበኛ ደላይ ፍትሒ ዶ ክብለካ ደላይ ሐርነት ንፍትሐዊት ኤረትራ እንበር ዘይወፈረ ንባርነት ሕድሪ ዘይጠለመ...
ኤርትራውያን፡ ስለምንታይ'ዮም ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ዓለም ነንሕድሕዶም ዝጋጨዉ ዘለዉ?
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርከቡ ሓይልታት ፖሊስ ነቲ ሎሚ ዓርቢ ንዝኽበር መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ድሉዋት ኰይኖም ቀንዮም ኣለዉ።