ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኤርትራን ኣፍደገ ባሕርን እንታይ'ዩ ኢሉ?
ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምምሕያሽ ዝተገብረ ጻዕርታት ከም ዝፈሸለ ገሊጹ። ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ንኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኤርትራ ንሃገሩ ኣፍደገ ባሕራ ክትከፍተላ ድልውቲ ከም ዘይኰነት'ውን ኣሚቱ። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዘድልያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዘሎ ኵነታት ጸጥታ ከም ዘስግኣን ዝገለጸ እቲ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኵነታት ንምግጣም ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ...
Latest releases
ኤርትራ፡ 103 ዝዕድመኦም ኣቦ ኣብ መካ ሓጅ ፈጺሞም
እቶም ኤርትራዊ ኣቦ፡ ሓደ ካብቶም 1.6 ሚልዮን ሓጃጆ ብምዃን፡ ኣብቲ ኣብ ሚና ዝተባህለ ቦታ፡ ብመሰረት ሃይማኖት እስልምና ንሰይጣን ብእምኒ ምድብዳብ ዝፍጸም ስነስርዓት ከምዝተሳተፉን፡ እዚ ድማ ዕድመ ንእምነት ከምዘይግድብ መርኣያ ምዃኑ ይግለጽ። ጕዕዞ ህይወት ሓጅ ሓምድ፡ ብብድሆታትን ተወፋይነት ንእምነትን ዝደመቐ ኰይኑ፡ እዚ ሕጂ ዝገበርዎ ቅዱስ ንግደት ድማ፡ መርኣያ ናይቲ ዘይናወጽ መብጽዓ ንምፍጻም ሓደ ካብ ዓንዲታት እስልምና ምዃኑ ማዕከን ዜና ስዑዲ ዓረብ ኣቃሊሑ። ኣቦኦም ገለ ኣዋርሕ ቅድሚ ልደቶም ምስ ዓረፉ...
ደበሳይ ደሳለ ዕዉት ማራቶን ኣስመራ 2025 ኮይኑ
ሎሚ ኣብ ጎዶናታት ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ኣስመራ 2025፡ ኣባል ክለብ ደንደን ደበሳይ ደሳለ ቀዳማይ ብምውጻእ ዘውዲ ደፊኡ። ኣብ 2023 ብዘገርምን ካብ ትጽቢት ወጻእን 2 ሰዓት 14 ደቂቕን 21 ካልኢትን ቀዳማይ ብምውጻእ ናይዚ ውድድር ሪከርድ ሒዙ ዘሎ ኣትሌት ኖሆም ኤርምያስ ከኣ ካልኣይ ብምውጻእ ንደገፍቱ ኣረስሩሱ። ሳልሳይ ኬንያዊ ኣትሌት ደሲስ...
ገምጋም መጽሓፍ፡ ናይ 135 ዓመት ጕዕዞ ኤርትራ ብወልደየሱስ ዓማር
ወልደየሱስ ዓማር ሓደ ካብ'ቶም ስነጽሑፍ ኤርትራ ክስስን ወትሩ ዝጽዕሩ ዉፉይ ተቓላሳይ ምዃኑ ይግለጽ።,ብትምህርቲ፡ ተመኵሮ ቃልስን ስራሕን በሲሉ፡ ኣብ ሓይሊ ስነጽሑፍ ስለ ዝኣምን፡ ንዘለናዮ ዘመን ናይ ምትንታን፡ ንሕሉፍና ናይ ምስኣልን ንመጻኢና ድማ ናይ ምቕጃልን ፍሉይ ዓቕምን ተውህቦን ዘለዎ ተቓላሳይ ጥራሕ ዘይኰነስ ስነጥበበኛ እውን'ዩ። እዛ ሓዳስ 'ናይ 135 ዓመት ጕዕዞ ኤርትራ' (Eritrea's 135-year Trajectory) ዘርእስታ መጽሓፉ ከም ኣብነት ክትጥቀስ ትኽእል። ኣብቲ ገበር መጽሓፍ፡ 'ካብ...
ኤርትራ ግዳይ እገዳ መገሻ ትራምፕ ዝዀነትሉ ቀንዲ ምኽንያታት እንታይ'ዩ?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝመጽእ ሰኑይ ግብራዊ ዝኸውን ሓድሽ እገዳ መገሻ ኣንቢሩ ከም ዘሎ ዋይት ሃውስ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ካብ ኣፍሪቃ፤ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ሊብያ፡ ጫድ፡ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ኢኳቶርያል ጊኒን ክህሉዋ እንከለዋ፡ የመን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሚያንማር፡ ሀይቲን ኢራንን ድማ ተወሰኽቲ ኣብቲ ዝርዝር ዘለዋ ሃገራት እየን። ብኸፊል እገዳ ዝተነብረለን ካልኦት ሸውዓተ ሃገራት'ውን ኣለዋ። ዶናልድ ትራምፕ ነዘን 12 ሃገራት ምሉእ...