ኢትዮጵያ፡ ወጥሪ ኣብ ዝዓርገሉ ዘሎ እዋን ኣስታት 250 ኤርትራውያን ስደተኛታት ሰጒጓ
ኢትዮጵያ ንልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት-ማሕቡስ ዘጽንሓቶም ኣስታት 250 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብ ሰኑይ 29 ሚያዝያ 2025 ብኽልል ዓፋር ኣቢላ ናብ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ከም ዘባረረቶም ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተኣስሩ ካልኦት ኤርትራውያን'ውን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዝተገብረ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ቀረባ ቤተሰብ ናይ ሓደ ካብቶም ዝተሰጐጉ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ካብቲ ብ15 ሚያዝያ ዝተባርዐ ግጭት...
Latest releases
ኢትዮጵያ፡ ወጥሪ ኣብ ዝዓርገሉ ዘሎ እዋን ኣስታት 250 ኤርትራውያን ስደተኛታት ሰጒጓ
ኢትዮጵያ ንልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት-ማሕቡስ ዘጽንሓቶም ኣስታት 250 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብ ሰኑይ 29 ሚያዝያ 2025 ብኽልል ዓፋር ኣቢላ ናብ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ከም ዘባረረቶም ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተኣስሩ ካልኦት ኤርትራውያን'ውን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዝተገብረ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ቀረባ ቤተሰብ ናይ ሓደ ካብቶም ዝተሰጐጉ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ካብቲ ብ15 ሚያዝያ ዝተባርዐ ግጭት ሱዳን ሃዲሞም ህይወቶም ንምድሓን ናብ ኢትዮጵያ...
ብህልቂት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነብዑ ጳጳስ ኣቡነ ፍራንሲስ
እቶም ኣብዚ ሰሙን ዝዓረፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ካብቲ ብፍሉይ ዝዝከሩሉን ዝኽበሩሉን፡ ጸግዒ ግፉዓትን ውጹዓት ብምዃን ንሰብኣውነትን ክብሪ ደቂሰብን ዝነበሮም ዘይቅየር ክብሪታቶም እዩ። ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ሰባት ብዝፈጠርዎ ይዅን ባህሪያዊ ሓደጋታት ኣብ ሽግርን ሕሰምን ንዝወደቑ ማሕበረሰባት ደው ብምባል ንስለኦም ተማጕቶም፡ ንፍትሒ ጸዊዖምን ጸልዮምን እዮም። እቶም ወገን ሃይማኖት ዘይፈልዩ መንፈሳዊ ኣቦ፡ ኣብ ከም ኲናት ትግራይ፡ ቓዛ፡ ዩክረይንን ካልእ ቦታታትን ሰፊሕ ሞት፡ ምፍንቓልን ዝተፈላለየ...
ኬንያ፡ ሓደ ኤርትራዊ ኣቦ ደሃዮም ጠፊኡ
ኣቶ ተስፋይ ሞባእ ዝተባህሉ ኤርትራዊ ኣቦ፡ ብዓርቢ 18 ምያዝያ - [ዓርቢ ስቕለት] ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኬንያ ጠፊኦም ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ከምዘይተረኽበ ስድራቤቶም ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ኣቶ ተስፋይ፡ ሰዓት 9:00 ንግሆ ኣቢሉ ኣብ ከባቢ ክሊማኒ ናብ ዝርከብ ቤተክርስትያን መድሃኔኣለም ከምዝኸዱን ኣብኡ ክሳብ ሰዓት 5:00 ድሕሪ ቐትሪ ከምዝጸንሑን ተፈሊጡ። እቶም 80 ዝዕድመኦም ኣቦ ናይ ጥዕናን ዓይኒን ጸገማት ዝነበሮም ኰይኑ፡ ንግሆ ምስ በዓልቲ ቤቶም እዮም ናብቲ ቤተክርስትያን...
ሓድሽ ማዕበል ተቐዳደምቲ ኣፍሪቃ፡ ካልኣይ 'ቢንያም ግርማይ' ይፈጥርዶ ይኸውን?
ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ ሚልክያስ ማእከለ፡ ኣብ ኮንቲነንታል ጋንታ ንመጀመርትኡ ደኣ ይጸንበር'ምበር፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሉ ዝተፈለላየ ውድድራትን ዓወታትን ተጐናጺፉ እዩ። ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር 'ግራንድ ፕሪክስ ላ ቢለ' ብዘደንቅ ቅጽበታዊ ውድድድር ምስ ተዓወተ፡ ኣብ ሽኳ ዘለዎ ብቕዓት ዝተዓዘቡ ብዙሓት ሰባት ምስቲ ኣብ 2024 ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ዙር ፈረንሳ ክኸውን ዝኸኣለ ቢንያም ግርማይ ከመሳስሉዎ ተራእዮም። ሚልክያስ ማእከለ ምስ ቢቢሲ...