እስራኤል፡ ብቕትለት ሓደ ሽማግለ ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ተኣሲሩ
ብሰሉስ 27 ግንቦት ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ሃቲክሻ ኣብ ዝተባህለ ገዛውቲ ኣብ ልዕሊ ወዲ 71 ዓመት ሽማግለ ሰብኣይ ብዝተፈጸመ ዝምታ ተለፎንን ቅትለትን ዝተጠርጠረ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ፡ ዮሩሳሌም ፖስት ንፖሊስ ብምጥቃስ ሓቢራ። ሊስ፡ እቲ ወዲ 71 ዓመት ሰብኣይ ከም ዝተወቕዐን ድሒሩ ብኣባላት ሕክምና ሞይቱ ከም ዝተባህለን ዝገልጽ ጸብጻብ ከም ዝበጽሖ ገሊጹ። ብመሰረት እቲ ኣፈናዊ ጥርጣረታት፡ እቲ ሰብ ሞባይል...
Latest releases
ቢንያም ግርማይ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ተኣልዩ
ትማሊ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ ሳልሳይ ዝወጽአ ተቐዳዳማይ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች ቢንያም ግርማይ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ራብዓይ መድረኽ ክልተ ግዜ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ጸወታ ተኣልዩ ከምዘሎ ጋንትኡ ኣፍሊጣ።
ስደት ኤርትራውያን፡ ብሩስያ ኣቢልካ ናብ ኣውሮጳ ብኸመይ?
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብእግሪን ብዝተፈላልየ ኣገባባትን ዝግበሩ ሓደገኛ ጕዕዞታት ስግረዶብ ኤርትራውያን ተራእዮም እዮም።
ንማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ዝሕግዝ ሓበን-ኤሪ ናብ ግብራዊ ዕማም ይሰጋገር
ዋሽንግተን/ኣስመራ —ሓበን-ኤሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኣትላንታ ዝመደበሩ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ንኣካለ-ስንኩላን ኤርትራ ንምሕጋዝ ዝቐንዐ ጉባኤ ጌሩ ኔሩ።
ንኤርትራ ዝገለለ ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ሃገራት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ይካይድ
ብስዑዲ ዓረብ ዝተወደበ፣ ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ናይተን ኣብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ብሰኑይ 06 ግንቦት ጀሚሩ።
Load more...