ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
ድሕሪ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ናጽነታ ዝተጐናጸፈት ኤርትራ ንተወሳኺ 30 ዓመታት ኣብ ውግእን ኵነተ-ኲናት ክትጽመድ ተራእያ እያ። ቍጠባኣ ተሃስዩን ብጕድለት ሰብኣዊ መሰላትን ዜጋታታት ብኣማኢት ኣሽሓት ናብ ስደት ውሒዞም። እቲ ናይ ኣሽሓት ህይወት ተጋደልትን ህዝብን ዝሓተተ ሓርነት ኤርትራ ናይ ወለዶታት ሰላም፡ ራህዋን ቅሳነትን ብልጽግናን ከውሕስ እዩ ትጽቢት ዝግበረሉ ነይሩ። እንተዀነ፡ ኤርትራ ሒደት ዓመታት ድሕሪ ናጽነታ ምስ ኵለን ጐረባብታ ናብ ውግእ...
Latest releases
ቨርነር ሙንዚንገር፡ ኣብ ኤርትራ ዓቢ ጽልዋ ዝገደፈ ገድለኛ
ቀዳሞት መንእሰያት ሚስዮናውያን ካብ ሽወደን ኣብ ኤርትራ ብባጽዕ ኣቢሎም ምስ ኣተዉ፡ ቨርነር ሙንዚንገር ከም ዝተቐበሎም ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ንዝበዝሐ ብርኪ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ንምዕዳግ ዝነበሮ ውጥን ሰሪዙ
ካብ ሓምለ 2023 ኣትሒዙ፣ ኣገልግሎታት ደው ኣቢሉ ዝርከብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ዳግም ንምብርባር መሻርኽቲ የናዲ ከምዘሎ ምስቲ ኩባንያ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ንራድዮ ኤረና ሓቢሮም።
ኤርትራ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ምጅማሩ ለውጢ ይህልዎ ዶ?
ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብ5 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ካብ ሰሉስ 14 ግንቦት 2024 ኣትሒዙ ስሩዕ ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
ናዕቢ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ ከቢድ ዕንወት ከምዘውረደ ተገምጊሙ
ብ17 ለካቲት 2024 ኣብ ኔዘርላንድስ (ሆላንድ) ኣብ መንጐ ተቓወምትን ደገፍትን መንግስቲ ኤርትራ ብዝተፈጥረ ናዕቢ ዝወረደ ዕንወት ልዕሊ 700 ሽሕ ዩሮ ከም ዝበጽሕ ተገሊጹ።