ኤምባሲ ኤርትራ፡ ብሰኔት ኣመሪካ ንዝቐረበ ክሲ ነጺጉ
መንግስቲ ኤርትራ፡ ሽማግለ ዝምድናታት ወጻኢ ሰኔት ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብ16 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ ርክብ፡ ኤርትራ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስና ከባቢታት ምትእኽኻብ ሰራዊት ተካይድ ከም ዘላ ንዝቐረበሉ ክሲ ብትሪ ነጺጉ። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ እቲ ዝቐረበ ክሲ፡ "ፍጹም መሰረት ኣልቦን ዘደናግርን፡" ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ኤምባሲ፡ "ኵሎም ኣባላት ሰራዊት [ኤርትራ] ምሉእ ብምሉእ...
Latest releases
ኤርትራ፣ 46 ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም
መንግስቲ ኤርትራ ብዓርቢ 12 ሚያዝያ 46 ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝፈትሐ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።
ሱዳን፣ ከም ምሩዃት ተታሒዞም ናይ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ስድራቤት ሓገዝ ይሓቱ
ካብ ኢትዮጵያ፣ ብመንግዲ ሱዳን ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ዝነበሩ 10ታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ብዕጡቓት ሱዳን ከም ምሩዃት ተታሒዞም ይሳቐዩን ይጋፍዑን ከምዘለዉ ስድራቤታቶም ናብ ራድዮ ኤረና ብምድዋል ኣመልኪቶም።
ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብሓድሽ ሕጊ ስደት ኣውሮጳ ብኸመይ ይጽለዉ?
ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት - ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ስእነት ሰብኣዊ ሓርነትን ግህሰት መሰላትን ካልእን ዝጠንቁ ብብዝሒ ካብ ሃገሮም ወጺኦም ክስደዱ ጸኒሖም እዮም።
ኤርትራ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝበኣሰ ኩነታት
ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝለዓለ መልክዑ ትቕጽሎ ከም ዘላ ናይ 2024 ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣስፊሩ።
Load more...