ኤምባሲ ኤርትራ፡ ብሰኔት ኣመሪካ ንዝቐረበ ክሲ ነጺጉ
መንግስቲ ኤርትራ፡ ሽማግለ ዝምድናታት ወጻኢ ሰኔት ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብ16 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ ርክብ፡ ኤርትራ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስና ከባቢታት ምትእኽኻብ ሰራዊት ተካይድ ከም ዘላ ንዝቐረበሉ ክሲ ብትሪ ነጺጉ። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ እቲ ዝቐረበ ክሲ፡ "ፍጹም መሰረት ኣልቦን ዘደናግርን፡" ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ኤምባሲ፡ "ኵሎም ኣባላት ሰራዊት [ኤርትራ] ምሉእ ብምሉእ...
Latest releases
ኢትዮጵያ-ኤርትራ፡ ተዘክሮታት ኣቶ ኣማኒኤል ኣብራሃም
ሓደ መዓልቲ ኣቶ ኣማኒኤል፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ሃይለስላሰ ብዛዕባ ኤርትራ ዘረባ ሞሊቑዎም ኣሰር ኣብ ሓዊ ኣትዮም ነበሩ። እቲ "ጌጋ"፡ ከም ሓቂ ጌጋ ኣይነበረን። ብኣረኣእያ ንጉስ ግን ከም ጌጋ ስለ ዝተወስደ ኣቶ ኣማኒኤል ክቕጽዑ ናይ ግድን ነበረ። እዚ ጽሑፍ እዚ እምበኣር ኣብቲ ዛንታ ከተኩር እዩ።
ሰውራዊ ምሕዝነት / ኤርትራ ፈለስጢን
2ይ ውግእ ዓለም ከብቅዕ እንከሎ ፡ ኤርትራን ፈለስጢንን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር / መግዛእቲ ብሪጣንያ`የን ነይረን ። ዓባይ ብሪጣንያ ብቲ ውሕሉልን ፉሉጡን ውድታዊ ኣሰራርሓኣ ፈለስጢን ንጽዮናውያን ከተረክባ እንከላ ፡ ንኤርትራ ኸኣ ንፍዩዳላዊ ስርዓት እትዮጵያ ኣረከበታ፡ ናብዚ ንምብጻሕ ኣብ ፈለስጢን ይኹን ኣብ ኤርትራ ዝሓለፈ ውረድ ደይብን ጎነጽ ነጽን ዕዮ ኣምሰሉን ብዙሕ`ዩ።
ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ
ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ (ማባኤ)ከም መቀጸልታ ኣብ ህሉዉ ዞባዊ ኩነታት ቀይሕ ባሕሪ ጽልዉኡን ኣመልኪቱ ከቅርቦ ዝጸንሔ ትንታነታት ከም ዘመልከቶ ኣብ መስመር መጋዓዝያ እቲ ባሕሪ፣ ባሕሬኛታት፣ ድሕነት መስመር ቀይሕ ባሕርን ባህርያዊ ተፈጥርኡን ብመጥቃዕትታት ሓይልታት ሑቲ የመን ኣብ ሓድሽ ዝበኣሰ መድረክ ምእታዉ እዩ።
ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያን ክሰግሩ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ዝርከቦም ሸሞንተ ሓተቲ ዑቕባ ሞይቶም
ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያን፣ ብናይ ጎማ ጃልባ ክሰግሩ ዝፈተኑ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ፈረንሳ ኣፍሊጡ።እቶም ኣብዚ ሳልስቲ‘ዚ፣ ቡሎኝ ሱር ሜር ኣብ ዝተባሃለ፣ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ጥሒሎም ዝሞቱ ሓተቲ ዑቕባ፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ኣፍጋኒስታን፣ ሶርያን ኢራንን‘ዮም።...