ኢትዮጵያ፣ ተገፊፎም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ሰጕጓ
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ በብእዋኑ እናገፈፈ ቀይድዎም ካብ ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ነቶም ልዕሊ 200 ኣብዚ ሳልስት‘ዚ ሰጕጉዎም። እቶም ብ29 ሚያዝያ፣ ብመንገዲ መስመር ቡሬ– ዓሰብ ናብ ኤርትራ ዝተሰጉጉ ኤርትራውያን፣ ‘ሕጋዊ መንቀሳቐሲ ዘይብሎም‘ ብዝብል ዝተገገፉ ምዃኖም ራድዮ...
Latest releases
‘ቀቢላ ብን ዓምር፣ መበቆሎም ኤርትራ ስለዝኾነ፣ ዜግነት ሱዳን ክሕደጉ ኣለዎም’ ሓላፊ ጸጥታ ዞባ ከሰላ ነበር
ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርከቡ ዜጋታት ሱዳን፣ መበቆሎም ካብ ካልእ ሃገር ስለዝኾነ ዜግነት ሱዳን ክሕደጉ ኣለዎም ዝበለ ሓላፊ ጸጥታ እቲ ዞባ ነበረ፣ ብርጋዴር ባድረዲን ዓብደልሓከም፣ ናዕቢ ብምልዕዓል ተወቒሱ።
ኢጣልያ፡ ከም ኣካል ፖሊሲ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ምስ ኤርትራ ናይ ምትሕግጋዝ ውዕላት ንምክታም መዲባ ከምዘላ ገሊጻ
ኢጣልያ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ምስ ዘላ ኤርትራ ምትሕግጋዝ ትገብር ቀዳመይቲ ካብ ሃገራት ምዕራብ ክትከውን ከምእትደሊ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ኤድሞንዶ ቺረሊ ሓቢሩ። ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስያ ኖቫ፡ ነቲ ሚኒስተር ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ኢጣልያ ምስ ኤርትራ ንክልተ ዓመታት ዝጸንሕ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ንምውዕዓል ኣብ ምዝዛም ተቓሪቡ ምህላዉ ኣንፊቱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ጎኒ ጎኒ‘ቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት አፍሪቃን ኢጣልያን፡ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒን ካልኦት ላለዎት ሰበ ስልጣንን ብምርኻብ ኣብ ናይ...
ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ
ኤርትራዊት ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ብሰንበት 21 ሚያዝያ ኣብ ኦስትርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ከተማ ቪን ቀዳመይቲ ኮይና ብምውጻእ ረዚን ዓወት ኣመዝጊባ።
ኤርትራ፡ ኣቦ መንበር ተሓኤ ነበር ኣሕመድ ናስር መን’ዩ?
ኣሕመድ ናስር ሓደ ካብቶም ንጐበጣ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝተቓለሱ ኤርትራውያን መንእሰያት 60’ታት እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ንጉስ ሃይለስላሰ ንፈደራላዊ ውዕል ኣፍሪሱ፡ ባንዴራ ኤርትራ ኣውሪዱ፡ ንቝጠባዊ ዓቕሚ ኤርትራ ኣልሚሱ፡ መበል 14 ክፍለ ሃገር ኢትዮጵያ ምዃና ኣዊጁ።