ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
ድሕሪ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ናጽነታ ዝተጐናጸፈት ኤርትራ ንተወሳኺ 30 ዓመታት ኣብ ውግእን ኵነተ-ኲናት ክትጽመድ ተራእያ እያ። ቍጠባኣ ተሃስዩን ብጕድለት ሰብኣዊ መሰላትን ዜጋታታት ብኣማኢት ኣሽሓት ናብ ስደት ውሒዞም። እቲ ናይ ኣሽሓት ህይወት ተጋደልትን ህዝብን ዝሓተተ ሓርነት ኤርትራ ናይ ወለዶታት ሰላም፡ ራህዋን ቅሳነትን ብልጽግናን ከውሕስ እዩ ትጽቢት ዝግበረሉ ነይሩ። እንተዀነ፡ ኤርትራ ሒደት ዓመታት ድሕሪ ናጽነታ ምስ ኵለን ጐረባብታ ናብ ውግእ...
Latest releases
ፓርላማ እስራኤል 'ንስርዓት ሃገሮም' ዝድግፉ ስደተኛታት ንምስጓግ ዘቕረቦ እማመ
ፓርላማ እስራኤል ንሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘኽእል ሓድሽ እማመ ኣቕሪቡ። እቲ 'ክነሰት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፓርላማ ኣበጊስዎ ዘሎ ሓሳብ ነቶም "ንስርዓት ሃገሮም" ዝድግፉ ሓተትቲ ዑቕባ ንምጥራዝ ዝዓለመ'ዩ። እቲ ብኣባል የማናዊ ሰልፊ ዪስራኤል ቤትኑ ዝኾነት ዩሊያ ማሊኖቭስክን ካልኦት ኣባላት ባይቶን ዝቐረበ እማመ ሕጊ ምሉእ ተቐባልነት ረኺቡ'ሎ። "ኣብቲ ዝተኻየደ መስርሕ ድምጺ፡ 51 ኣባላት ክነሰት ነቲ ሕጊ ብዘይ ዝኾነ ተቓውሞን ተዓቅቦን ደጊፎሞ ኣለዉ" ይብል እቲ ባይቶ ኣብ ዘውጽኦ...
ደረጃ ብልሽውና 2024፡ ኤርትራ ንኣርባዕተ ሃገራት ጥራሕ ቀዲማ፡ ኢትዮጵያኸ?
ደረጃ ብልሽውና ሃገራት ዝዕቅን 'ኮራፕሽን ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል' ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ዓመተ 2024 ደረጃ ሃገራት፡ ግዕዝይና ኣብ መላእ ዓለም 'ሓደገኛ ዕንቅፋት' ኰይኑ ከም ዘሎ ገሊጹ። ኣብቲ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ካብ 180 ሃገራት 37 ነጥቢ ብምምዝጋብ መበል 99 ኣብ ዝተሰርዓትሉ፡ 13 ነጥቢ ብምርካብ መበል 173 ተሰሪዓ ዘላ ኤርትራ ድማ ሓንቲ ካብ ቀዳሞት 13 ብልሹዋት ሃገራት ኮይና ኣላ። ኣቦ መንበር ናይቲ ትካል ፍራንሱዋ ቫለርያን...
ብዛዕባ እታ ኣብ ሽወደን ዝተቐትለት ኤርትራዊት ኣደ እንታይ ንፈልጥ?
ኣብ ሽወደን ከተማ ኦረቡሮ ብሰሉስ 4 ለካቲት፡ ሪቻርድ ኣንደሽን ዝተባሃለ ወዲ 35 ዓመት መንስሰይ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ዝፈጸሞ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብታ ሃገር ከቢድ ስንባደ ምፍጣሩ ይዝከር። በቲ መጥቃዕቲ 10 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ፈጻሚ እቲ ገበን'ውን ከምዝተቐተለ ኣብ እዋኑ ተሓቢሩ ነይሩ። ፖሊስ፡ እቶም ዝተቐተሉ ሰባት ሸውዓት ደቂ ኣንስትዮን ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮን ኮይኖም ዕድሚኦም ካብ 28 ክሳብ 68 ከምዝኰነ'ዩ ኣብ መጀመርታ ገሊጹ። እቲ ቤት ትምህርቲ ዕድሚኦም ካብ 20 ዓመት...