ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
ድሕሪ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ናጽነታ ዝተጐናጸፈት ኤርትራ ንተወሳኺ 30 ዓመታት ኣብ ውግእን ኵነተ-ኲናት ክትጽመድ ተራእያ እያ። ቍጠባኣ ተሃስዩን ብጕድለት ሰብኣዊ መሰላትን ዜጋታታት ብኣማኢት ኣሽሓት ናብ ስደት ውሒዞም። እቲ ናይ ኣሽሓት ህይወት ተጋደልትን ህዝብን ዝሓተተ ሓርነት ኤርትራ ናይ ወለዶታት ሰላም፡ ራህዋን ቅሳነትን ብልጽግናን ከውሕስ እዩ ትጽቢት ዝግበረሉ ነይሩ። እንተዀነ፡ ኤርትራ ሒደት ዓመታት ድሕሪ ናጽነታ ምስ ኵለን ጐረባብታ ናብ ውግእ...
Latest releases
ስድራ ናይቲ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝተቐትለ ኤርትራዊ፡ ተሕልፎ ዘላ ሰቖቛ
ሃኒባል ሰሎሞን ምስ መዘንኡ ኣብ መስከረም 2023 ናብ ትግራይ ክሰግር እንከሎ 17 ዓመቱ ኣይመልአን ነይሩ። ንእስነቱ ግን ኣይመነወን፣ ሓደ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ቤት ማእሰርቲ ላፍቶ - ኣዲስ ኣበባ፡ ክሃድሙ ብኣባላት ሓለዋ ብዝተተኰሰሎም ጠያይት ግዳያት ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት እዩ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን ዝወርዶም ዘሎ ኵነታት መርኣያ ዝዀነ ፍጻመ ከቢድ ስንባደን ቍጥዐን ፈጢሩ እዩ። ነቶም ዶብ ካብ ዝሰግሩ ኣትሒዞም ዝተቐንዘዉ ስድራቤታት ድማ ኣመና መሪር። ...
ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፡ ንዕድል ኤርትራ ዝቐየረ ኣካል
ኣብ ታሪኽ ኤርትራ 1941 መቐይሮታት ዘተኣታተወት ዓመት ነበረት። እንግሊዝ ንጣልያን ስዒሩ ንኤርትራ ዝኣተወሉ፡ መንቋሕቋሕታ ዝነበሮም ዜጋታት ብሃገራውነት ተደሪኾም ንባህግታት ናጽነት ክዅስኵስሉ ዝጀምርሉ ዓመት ነበረት። ሽዑ'ዩ 'ማሕበር ፍቕሪ ሃገር' ብ5 ግንቦት 1941 ኣብ ኣስመራ ዝተመስረተ። ሃጸይ ሃይለስላሴ ከኣ ንኤርትራ ንምቍጽጻር ዝነበሮም ባህጊ ተግባራዊ ንምግባር ጻዕሮም ዝጀመሩላ ዓመት ነበረት። ብሓጺሩ፡ ምንቅስቓሳት ንናጽነት ወይ ከኣ ቍርቍስ ኤርትራ ብ1941'ምበር ከምቲ ብተደጋጊሙ ዝዝንቶ ብግዜ...
ብሪጣንያ፡ ኣብ ሸዊት ዕድሚኡ ዝተቐትለ ኣሜን ተኽላይ
ሓደ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛ መንእሰይ ብዝተፈጸመሉ መጥቃዕቲ ከምዝሞተ ሰብመዚ ጸጥታ ብሪጣንያ ሓቢሮም። ወዲ 15 ዓመት ኣሜን ተኽላይ ብረቡዕ ምሸት'ዩ ኣብታ ኣብ ስኮትላንድ ትርከብ ከተማ ግላስጎ ብኸቢድ ቆሲሉ ተረኺቡ። ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ ወሃብቲ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምድሓኑ ዝገበርዎ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተን ኣብ ቦታ ፍጻመ ሞቱ ከምዝተረጋገጸን ፖሊስ ስኮትላንድ...
እስራኤል ኤርትራውያን ንምስጓግ ቀዳማይ እማመ ኣጽዲቓ፣ ኣምነስቲኸ እንታይ ኢሉ?
ፓርላማ እስራኤል፡ ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ዓዶም "ንስርዓት ሃገሮም" ዝድግፉ ኰይኖም እንተ ተረኺቦም፡ ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ዘኽእል ዝቐረበ ቀዳማይ እማመ ሰሚዑ ኣጽዲቑ ክብላ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን። እቲ 'ክነሰት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፓርላማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ "ንስርዓት ሃገሮም" ዝድግፉ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ሃገሮም ንምስጓግ ዘኽእል ንዝቐረበሉ እማመ ከም ዘጽደቐ ይፍለጥ።