ኤርሚና ደል'ኦሮ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ጸሓፊት
እዛ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ኢጣልያዊት፡ ብዛዕባ ምስ ዘመን ጣልያን ዝተኣሳሰሩ ብርክት ዝበሉ ዛንታታት ዘበርከተት ህብብቲ ደራሲት'ያ። ኣባሓጎኣ ንኤርሚና ደል-ኦሮ ሓደ ካብ'ቶም ቀዳሞት ናብ ኤርትራ ዝፈለሱ ኢጣልያውያን'ዩ ነይሩ። ንሱ ካብ ሌኮ እትበሃል ኣብ ሎምባርዲያ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ - ካብ ሚላኖ ንሰሜን 50 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ - ብ1886 ናብ ኤርትራ ግዒዙ። እዛ ሕጂ ዕድመ ደፊኣ ኣብ ሚላኖ እትነብር ዘላ ኤርሚና ደል-ኦሮ ነቶም...
Latest releases
ኣብ መዓስከር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ ብዙሓት ቈሲሎም
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብቐዳም ምሸት ከምኡ’ውን ሰኑይ ምሸት ብሰንኪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ ብሓፈሻ ልዕሊ 10 ሰባት ከም ዝተሃርሙ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ኡጋንዳ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም
ኣብ ኡጋንዳ፡ ከተማ ካምፓላ፡ ከባቢ ካባላጋላ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ ፖሊስ ‘ታ ሃገር፡ ሎሚ ሰሉስ 09 ሓምለ 2024 ሓቢሩ።
እስራኤል፣ ኣብ መንጎ ክልተ ጉጅለታት ኤርትራውያን ብዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን ሓደተቐቲሉ ካልእ ድማ ብኸቢድ ቆሲሉ
ኣብ እስራኤል፣ ደቡባዊ ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ኣብ መንጎ ክልት ጉጅለታት ኤርትራውያን ኣብ ዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን፣ ሓደ ክቕተል እንከሎ ሓደ ድማ ብከቢድ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቡ ከምዘሎ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
እስራኤል፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ብዝተላዕለ ባእሲ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ ካልእ ብኸቢድ ቆሲሉ
ትማሊ ምሸት ኣብ ደቡባዊ ተልኣቪቭ ኣብ መንጐ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኤርትራ ተባሂሎም ዝጽውዑ ጕጅለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝተፈጥረ ባእሲ፡ ሓደ ሰብ ክቕተል እንከሎ ካልእ ድማ ብኸቢድ ቆሲሉ ከምዘሎ ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።