ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ብዝተፈጥረ ግጭት 2 ተቐቲሎም 8 ተሃሪሞም
ኣብ እስራኤል፡ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ተልኣቪቭ፡ ቀዳም 24 ነሓሰ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን፡ “ደገፍቲ መንግስቲን ተቓወምቲን” ኣብ ጽርግያ ብዝተፈጥረ ከቢድ ዕግርግር፡ ክልተ ክሞቱ እንከለው፡ ካልኦት ሸሞንተ ድማ ብኸቢድ ከምዝተሃርሙ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር...
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝዓረፈ ስድራቤቱ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ወዲ 79 ዓመት ኣቶ ብርሃነ፡ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝዓረፈ ስድራቤቱ ንቢቢሲ ሓቢሮም።ኣቶ ብርሃነ፡ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ ስለምንታይ ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ክትጥቀመሉ ዘይክኣለት?
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸጥታዊ ስግኣታት ዘሕደረ ዲፕሎማስያዊን ወጥርታት ጸጥታዊ ምትፍናንን ሰፊኑ’ሎ።ዋላ’ኳ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋእ ብዝተፈላለዩ ጠንቅታትን ረቛሒታትን ክግለጽ ዝኽእል እንተዀነ፡ ኣውራን መበገሲን ናይዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ግን ጠለብ ኢትዮጵያ እዩ።
ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ታሪኽ ዝሰርሐ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብቲ ድሙቕ ኣቐባብላ እንታይ ኢሉ?
ኣብቲ ንመበል 111 ግዜ ዝተኻየደ ዙር ፈረንሳ 2024 ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ዕዉት ቀጠልያ ማልያ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሐ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ኣስመራ ድሙቕ ኣቐባብላ ተገይርሉ። ቢንያም ግርማይ ድሕሪ ዙር ፈረንሳ ኣብ ኦሎምፒክ ድሕሪ ምውድዳር’ዩ ትማሊ...
ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ ውድድር ምሕንባስ ኦሎምፒክ ፓሪስ ዝተሳተፈ ኣሮን ገብረ ተመክርኡ የካፍል
ዋሽንግተን —ኣሮን ገብረ ኦዉሱ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ብናይ 50ሜትር ፍሪስታይ(Freestyle) ናይ ምሕንባስ ውድድር ንኤርትራ ወኪሉ ተወዳዲሩ ራብዓይ ደረጃ ብምርካብ ድማ ውድድሩ ዛዚሙ።
ተደራራቢ ሕማምን ባህሊን ዘይዓገታ ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ቅርጺ ሰብነት - ስምረት ርእሶም
ውረድ ደይብ ዝምልኦ ጕዕዞ ሂወት እያ ኣሕሊፋ። እታ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብሰንኪ ጸገማት ጥዕና፡ ክሳብ ምስ ምስ ሞት ተፋጢጥጣ ብእምነትን ሓቦን፡ ንዅሉ ሰጊራ እያ ሕልምታታት ዘግሃደት።
‘ኤርትራ፣ ዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ንዝሓዘቶ መርገጺ፣ ኣድናቖትና ንገልጽ’ ፕረዚደንት ኢራን
እስራኤል ኣብ ቓዛ ኵናት ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን፣ ኤርትራ ንዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ሒዛቶ ዘላ መርገጺ፣ ኢራን ኣድናቖታ ከምእትገልጽ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር መስዑድ...
ርክብ ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን መንእሰያት -- ንስራሕን ሌላን
ዋሽንግተን —ሓሙስ 25 ሓምለ 2024 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ኣስታት 400 መብዛሕትኦም ሞያውያን ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን መንእሰያት ዝተኣኻኸቡሉ ናይ ምልላይን ርክባትን መደብ ተኣንጊዱ ኣምስዩ። እቲ ኣጋጣሚ ኪንዮ ፖለቲካዊ ማሕበራዊን ፍልልያት ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ንዘለዉ ኣብ ኣመሪካ ተወሊዶም ዝዓበዩ ወይ ድማ ድሒሮም ዝመጽኡ...
ካልጋሪ፣ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተመስረተ ክሲ ተላዒሉ፣ ክሲ ኣባላት ብርጌድ ንሓምዱ ግና ይቕጽል
ኣብ ካናዳ፣ ከተማ ካልጋሪ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ወርሒ መስከረም፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ብብርጌድ ንሓመዱ ዝተወደቡ ደለይቲ ለውጢን ኣብ ዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን፣ ካብ...
ኤርትራ፡ እገዳ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምምሕዳራዊ ዶ ፖለቲካዊ?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ “ዘይርትዓዊ ወሰኽ ዋጋታት ትኬት፡ ምዕናውን ምጥፍፋእን ንብረት ገያሾ፡ ምድንጓይ በረራን ምክልባት ተጓዓዝትን፡” ካብ 30 መስከረም 2024 ጀሚሩ፡ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ደው ንኸብል ወሲኑ።
ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ፖርት ሱዳን ክበጽሕ ዕድመ ከምዘቕረበሉ ተገሊጹ
ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ሱዳንን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፣ ንፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ፖርት ሱዳን ክበጽሕ ወግዓዊ ዕድመ ከምዘቕረበሉ...